ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2016 ዓም በጀት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን

4 ልዕል ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቆሒታት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

5 ንጨረታ መከበሪ ንዘይሰዓሩ ሽዑ ዝመለስ ንናይ ሞተር ሳይክላት ኣቅሑት መግዝኢ 5000 ቅርሺ  ንናይ መካይ ኣቅሑት መግዝኢ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ተረጋጊፁ ብዝቀረበ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል

6 ጨረታ ሰዓሪ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓለቲታት ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእል

7 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝተወዳደሮ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ወሸጢ 10 መዓልቲታት ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ንብረት ክፍሊ አታዊ ክገብር ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ ዝርከብሉ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዝርከብ ህንፃ ኣብ ምድር ቤት ኮይኑ ንናይ ሞተር ሳይክላት ኣቀሑት መግዝኢን ንናይ መካይን ኣቅሑት መግዝኢን 50 ቅርሺ ጥራሕ እናከፈል ሰነድ ጨረታ ክወስድ ይክእል

9 ተጫረቲ ንተቅርብዎ ዋጋ መሊእኩም ብሽምኩም ዝተዓሸገ ካብ 3 ታሕሳስ 2016 ዓም ክሳብ 15 ታሕሳስ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ንግሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ሰዓት ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ  ምእታዉ ትክእሉ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 15 ታሕሳስ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ንግሆ ይከዉን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ድማ ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ክከፍት እዩ

10 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምንካይ ይክእል

ንዝበለፀ ሐበሬታ   0913875262