ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ሃገረ ሰላም

ምድብ 1 ሃለቅትን ቐወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት

ምድብ 2 ናይኮምፒተርን ኣቅሑት ተዛመድትን /ኤሌክትሮኒክስ/

ምድብ 3 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት

ምድብ 4 ናይ ቢሮ ቀወምቲ ኣቅሑት / ፍርኒቸር

ምድብ 5 ናይ ጎማ መኪና

ምድብ6 ናይ ሞተር ሳይክል ኣቅሑት

ምድብ 7 ናይ ፅሬት ኣቅሑትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁሪ ቲን ሰርተፈኬት ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

3 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ ሴት ታክስ ዝተመዝገበ /ቫት ምዝገባ ሰርተፈኬት ናይ መስከረም 2016 ዓም ቫት ድክሌሽን ዝገበረሉ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

5 ተጨረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ከም ዝሐወሰ ገይርካ ይዉሰድ

6 ናይ ሕድሕድ ደኩመንት ኦርጅናል ኮፒን ብ2ተ ፖስታ ብሽምዒ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል ናይቲ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ 10 ሚእታዊ ሕጋዊ ዝኮነ ባንኪ ዝፈለጥ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መፀዕንን መራገፈን ዋጋ ኣጎዓዒዞም ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

8 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድዝል ዘብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

9 ተጫረቲ ንዝዳለወ ዝርዝር መመርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንምድብ 1 ንምድብ 2 ምድብ 3 ምድብ 4ን ምድብ 5 ንዝለለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200 ብር ጥራሕ ምድብ 6ን 7ን ንዝለዉ ዝርዝር  ንብረታት ሰነድ ዘይምለስ ብር 100 እናከፈሉ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ርን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 6 ካብ 3/3/2016 ዓም ክሳብ 17/03/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ጊዚኡ ክወዳደር ይክእል

10 ተጫረቲ ናይ ዉሕስና መከበሪ ንሕድሕድ ጨረታ ንሎት1 2 ሎት 3 ሎት 4 ብር 10000 ብር ጥራሕ ንሎት 5 5000  ንሎት 6 ሎት 7 ብር 3000 ብሽም ቤት ፅሕፈትና ልምዓት እቶት ምም/ርን ፋይናንስ ከተማ ሃ /ሰላም ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተደለወ ናይ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ክቀርብ ዝክእል

11 እቲ ጨረታ ዕለት 18 /03/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ሰዓት ንሱ 18/3/2016 ዓም ሰዓት 4:30 ንጉሆ ኣብ ቤት ፅሐፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ከተማ ሃ/ሰላም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንበረትን ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 6 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

12 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ

14 ሰዓራይ እቲ ዝቅርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

15 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914284281/0914134230/0914215550 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል