ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት

ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ናይ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰ ፈቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክትቅርቡ ትኽእሉ ክትወዳደሩ ንዕድም

2 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ኣታዊ ዝገበርሉ ክሳብ ሰነ 2011ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዝሓዘ ከኸውን ኣለዎ።

3 መኸበሪ ጨረታ ፣መሳርሒ ፅሕፈት 15000.00 ቅርሺ ፣ ስራሕቲ ሕትመት 2000 ቅርሺ፣ ኣቁሑት ፅሬት 2000 ቅርሺ፣  መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 15000 ቅርሺ ፣ኣቀሑት ሞተር ሳይክል 5000 ቅርሺ፣ ጎማን ባትሪን መኪና 5000 ቅርሺ ፣ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

4 ጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንኹሉ ዓይነት ዕድጊት ብናይ ባዕልኹም መፀዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊነኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክተረክቡ ኣለኩም።

5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

4 ጨረታ ዕለት 27/02/2013ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 03 43 29 03 90 /09 45 05 54 58/09 14 25 98 33  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።