ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑጭሪ 03/2006

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ አብ 2007 በጀት ዓመት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ሃለቅቲ ፅሬት መሳርሒን ናይ መኪና ስፔር ፖርትን ጎማታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትድሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሒ ክትማልኡ ይግባእ

  • ን 2006 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብኩም ኣተሓሒዝኩም ክትቕርቡ እትክእሉ::

  • ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፌኬት ክትቕርቡ እትኽእሉ::

  • ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቴፊኬትን ናይ ወርሒ ሐምለ 2006 ዓ/ም ዴክሌር ዝገበርኩምሉ መረዳእታን እትቅርቡ::

  • ናይ 2006 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት ዝሐዝኩም::

  • ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕልኹም መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ብፅሬትን ብመጠን ተቕርቡ ምካንኩም ::

  • መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን አድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ::

  • ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር/ እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲን ትራንፖርትን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር አብ ኮምፕሌክስ ህንፃ 3 ደብሪ ቁፅሪ ገዛ 179 ካብ 12 /01 /2007 ዓ/ም ክሳብ 27 /1 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:00 እናመፃኩም ክትወስዱ ትኽእሉ::

  • ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር 5000.00 /ሐሙሽተ ሽሕ ብር ብ CPO ክተትሕዙ እትኽእሉ

  • እቲ ጨረታ ዕለት 27/01/2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 አብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

  • ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

  • ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344411052 ደዊልኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ ምካንኩም ንሕብር ::