ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ

1 ናይ 2011ዓ/ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈሉሉን ስራሕ ዘሐደሱሉን መረዳእታ ዘቅርቡ

2 ኣብ ቢሮ መጋዓዝያ መንገድን መጋዓዝያን ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅር ምዝገባን ፍቃድን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ዘቅርቡ ወረቀት ምስክር ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎምን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርነቡ ዝክእሉ

3 መኸበሪ ጨረታ 150,000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ መድህን ዉሕስና ትካል ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝዋሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ከቀርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረቱሉ ስራሕቲ ዉሕድ ወይ ድማ ድሬኔጅ ስራሕቲ ሳይድ ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 150 ተከታታሊ መዓልቲታት ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም

5 ኩሎም ተጫረቲ ክጫረቱሉ ዝደለዩ ናይ መትረብ ዉሕጅ ወይ ድማ ድሬኔጅ ፕሮጀክት ሰነድ ጨረታ 09/07/2012ዓ/ም ክሳብ 23/07/2012ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ቢሮ ቁፅሪ 6 ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ

6 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረቱሉ ፕሮጀክት ዋጋ ወይ ድማ ፋይናንሻል መረዳእታ ዋናን 2ተ ቅዳሕን ምስ ናይ ጨረታ ዉሕስና ዝሓዙ ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሸጉኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረቱሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ቢሮ ቁፅሪ 6 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 24/07/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅ/ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ

7 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከቡሉ 24/05/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30ቅ/ቀ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ይክፈት

8እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 47 05 81