ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

Tigray Health Bureau

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት

  1. ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
  2. ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  5. መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  6. መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ 10,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
  7. ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ  ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋ  ቁፅሪ ቢሮ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
  8. እቲ ጨረታ ካብ 24 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ  ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 12 ታሕሳስ  2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
  9. ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ መዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
  10. ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ  ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
  11. ተጫራታይ ብመዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
  12. ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን ዉሕስና ንዘድልዮም ኣቁሑት ድማ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል
  13. ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
  14. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣብ ነፍስወከፍ ንብረት 20 ሚኢታዊ ክዉስክን ክንክን ይክእል እዩ
  15. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344400451 /0348409782 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo