ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንኣገልጋሎት ቤት ዕዩ ዝዉዕል ሎት 1 ስራሕቲ ሕትመት ፣ ሎት 2 መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ሎት 3 ናይ መኪና ጎማን ባትርን ኣጫሪቱ ክዕድግን ክሕትምን ሰለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

Tigray Health Bureau

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግብኡ ረቆሒታት

1 ናይ 2011 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ወረቀት እተቅርቡ

4 ናይ ወርሒ ሰነ ሓምለ 2011 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ ወረቀት ምስክር እተቅርቡ

5 መኽበሪ ጨረታ ንምድብ ሐደ  ሕትመት ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ  ብር 5,000.00 ንምድብ ክልተ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 30000 ቅርሺ  ንምድብ ሰለስተ ጎማን ባትሪን መኪና 10000ክተትሕዙ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ንሕድሕድ ፋይናንስን ብዝተዓሸገ ኢንቭሎፕ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

7 እቲ ጨረታ ካብ 15/12/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 1/13/2011 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

8 ሰዓራይ ትካል ብዝተውሃቦ ስፐስፊኬሽን መሰረት ዘቅርብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቕርብ ይግባእ። አብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከምዝሐወሰሉ ይዉሰድ::

9 ተጫራታይ ብዝተዉሃቦ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ሰሪሑ ዘረክብ ክክዉን አለዎ

10 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ን ሕትመት ኣብ ዉሽጢ 40 ተከታታሊ  መዓልቲ ሰሪሒ ዘረክብ ንመለዋጢ ኣቅሑት መኪናን ጎማን ባትርን ሓዊሱ ኣብ  መዓልቲ ዘቅርብ

11 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 100.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

12 እቲ ቢሮ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኪቡዎ ቅድሚ ዉዕሊ ኣብቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል

13 ኩሎም ስምምዕነት ጨረታ እቲ ቢሮ በቲ ስረዓት መምርሒ ዕደጋ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 2055/2007 መምርሒ ልዳገ ቁፅሪ 04/2007 ተፈፃሚ ይከዉን

14 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344-404715/ ምድዋል ይከአል::

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo