ኤጀነሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ጣብያ ደደቢት ዝርከብ ብመነን ሆቴል ዝፍለጥ ናይ ንግዲ ገዛ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከካሪ ደሊዩ አሎ

Tigray Urban Development and Housing Agency

1 ነዚ ገዛ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣፀጊኑ ንምክራይ ዝኽእል ዝኾነ ሰብ ወይ ድማ ሕጋዊ ሰብነት ዝተዉሃቦ ትካል ክወዳደር ይክእል

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100 /ሐደ ምኢቲ ብር/ ብምኽፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 14 ምዉሳድ ይኽእሉ

3 እቲ ሰነድ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኤጀንሲ ኣባይቲ ልምዓት ክልል ትግራይ አብዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 30 /12 /2007 ዓ/ም ክሳብ 08/ 01 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ምእታዉ ይኽእሉ

4 እቲ ጨረታ 08 /01/ 2008 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ይኽፈት

5 ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ተጫረትቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም  እንተተረኸቡ ይምረፅ

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 50,000 /ሓምሳ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም

7 እቲ ኤጀንሲ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ

8 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልክታት ቁፅሪ 0344418514/15 ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት የከኣል

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo