ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ኣቅሑ ሕትመት፣ ኣቅሑ ፅሬትን ደቀቅቲ ኣቅሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ንግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

Tigray study research policy institute

1 በዚ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ ኣለኩም፤

2 ወረቐት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ፤

3 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ፤

4 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝመዝገበን ናይ ወርሒ መስከረም2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኸእሉ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ።

5 ተጫረቲ ንሎት 1ን 4ን ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ፤ ንሎት 2ን 3ን ንነብሲ ወከፍ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናኸፈልኩም ካብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መተሓባበሪ ጠቅላላ ግልጋሎትን ስምሪትን ዕደጋን ኣድራሻ ካብ ቤት ትምህርቲ ገረብ ፀዶ ንኣንፈት ዓይደር 500 ሜትሮ እትው ኢልካ እንዳሩፋኤል ቤተክርስትያን ፊትንፊት ዝርከብ ህንፃ

6 ካብ ዕለት 26/03/2011ዓ/ም -11/04/2011ዓ/ም ኣብ ስረሕ ሰዓትን መዓልትን እናመፃእኩም ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም እናገልፅና ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኹም ክተእትው ትኽእሉ፤

7 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ ንሎት 1ን 4ን (መሳርሒ ፅሕፈትን ደቀቅቲ ኣቅሑትን) 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፤ ንሎት 2 (ኣቕሑ ሕትመት) 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፤ ንሎት 3 (ኣቕሑ ፅሬት) 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና (ብጥረ ገንዘብ) ክተትሕዙ ትኽእሉ፤

8 እቲ ጨረታ 11/04/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መተሓባበሪ ጠቅላላ ግልጋሎትን ስምሪትን ዕደጋን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብቲ ቤት ዕዩ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ጨረታ ንምክፋት ኣይንተኣጓጎልን።

9 ተጫረታይ ሰዓራይ ጨረታ ታባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

10 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ንኣፈፃፅማ ውዕሊ ውሕስና የትሕዝ።

11 ብቤት ዕዮ ተዳልዩ ዝተውሃበ መዐቀኒ ረቋሒን ብመጠንን ብግዜን ኣብ ውሽጢ 15 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ወፃኢ ናብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከረክብ ኣለዎ።

12 መወዳደሪ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

13 እቲ ዝቀረበ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ በቲ መዐቀኒ ረቆሓ መሰረት ምዃኑ ምስተረጋገፀ እቲ ቢሮ ኣተዊ ከምዝገብሮ ክንገልፅ ንፈቱ።

14 ኢንስትቲዩትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-784325/0914-424614 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo