ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር ኩሓ ዝስዕብ ንብረት ብጨረታ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ስዒቡ ዝተቐመጠ ሮቅሓ ዝተማልኡ ክትጫረቱ የፍልጥ
1 ሸልፊ በዝሒ ------------- 18
2 አግድም ወንበር በዝሒ ----------- 62
- ዝድለይ ዓይነት ሸልፊ
ሀ ቁመት 2.5 ሜትር
ለ ጎድኒ 4ተ ሜትር
ሐ ተገዳሚ ጣዉላ ርጉዲ 2.5 ሳ/ሜ ብ 4ተ ሜትር ስፍሓት ናይቲ ጣዉላ 0.30 ሳ/ሜ ናይ ኣዉስትራልያ ጣዉላ
መ በዝሒ ተደርዳሪ 6ተ ብ 0.40 ሳ /ሜትር አፈላላይ
ሰ በዝሒ ተተካሊ ሓፂን 5ተ ኮይኑ በብሐደ ሜትር ርሕቐት ዓቐን ጠጠዉ ይብል
ረ ተተካሊ ሓፂን 20x20 ኮይኑ ርጉዲ 1.25 M.M ናይ ዝዕገት መከላኸሊ ቐለም ዝተቐበአ
1.2 ኣድላይ ዓይነት አግዳሚ ወንበር
ሀ ተገዳሚ ጣዉላ ርጉዲ 31/2-4 ኮይኑ ናይ ጎድኒ ስፍሓት 200 ሳ/ሜ
ለ ጉድኒ 450 ሳ/ሜ ናይ እግሪ ቁመት 45 ሳሜ በዝሒ ተተካሊ 6ተ
ሐ ናይቲ እግሪ ሓፂን 30x30 ኮይኑ ርጉደት 1.25 ዓይነት አዉስትራልያ ጣዉላ ብርኪ ዘይብሉ
መ ብጠቅለላ ቁመት 90 ሳ/ሜ ኮይኑ ምስ ናይ ድሕሪት ደጋፊ ዘለዎን ስንተቲክ ቀለም ብዝግባእ ዝተቐበአ
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግብኦም ሮቐሒ
1 ተጫረቲ ናይ 2008 ዓ/ም ግብሪ ዝኽፈሉ ክኸዉን ይግባእ
- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዝተሐደሰ ዘለዎ
- ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ተኾይኖም ናይ ቨት ዋጋ ሓዊሱ ብንፁር ክቕርብ አለዎ
- ተጫረቲ ዘሸነፈ እቲ ንብረት በቲ ትካል ዝደልዩ እዋን ዉዕሊ ኣሲሩ ከቕርብ ዝኽእልን እቲ ዝተሰርሐ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናብቲ ጨረታ ዝተኻየደሉ ቦታ ዘጓዓዕዝን
- ካብቲ ዝተቐመጠ እስፐስፊከሽን ወፃኢ ዘቕርብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ከፈልጥ አለዎ
- ናይቲ ጨረታ ፖስታ ዝአትወሉ ኣድራሻን ዕለትን ካብ 06/12 /2007 ዓ/ም ክሳብ 11/12/ 2007 ዓ/ም 8:30 ብዝተአሸገ ፖስታ ኣብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዋና ቢሮ 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 373ኣብ ስራሕ ሰዓት ይኸዉን
- ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 11 /12 /2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብዘለዉሉ ይክፈት ዘይቀረቡ ጨረታ ንምክፋት ዝኽልኽል ናይ ሕጊ ገደብ የብሉን
- ትካልና እቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
- ተጫረቲ እቲ ዝስራሕ ንብረት ዓይነቱ ኣብ ቢሮ ብምምፃእ ብኣካል ምርኣይ ይኽእሉ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344419127 ወይድማ 0344406439 ምድዋል ይክእሉ