ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ደይሬክተራት ዕዳን ፋይናንስን ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንኣካዳሚና ግልጋሎት ዝውዕሉ ኣቅሑትን 1 ናይ ግሪነሪ ማይ ምሰታይ ግልጋሎትን 2 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት በቲ ዘርፊ ንዝተሰማረው ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

Melese Zenawi leadership academy Tigray regional state

ኣብ ናይ ናይ ግሪነሪ ማይ ምሰታይ ግልጋሎት ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልአዎም ዝግባእ ረቋሒ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፤

2 መፍለይ ቁፅሪ ( tin) ዘለዎም፤

3 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፅኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

ኣብ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልአዎም ዝግባእ ረቋሒ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፤ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቅርብን

2 መፍለይ ቁፅሪ ( tin) ዘለዎም፤

3 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፅኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

1 መኸበሪ ጨረታ ናይ ግሪነር ማይ ምስታይ ግልጋሎትን መለዋወጢ መኪና ( ስፔር) ኣቅሑት ሕድሕዶም ብር 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

2 ዋጋ ሰነድ ጨረታ ናይ ግሪነር ማይ ምስታይ ግልጋሎትን መለዋወጢ መኪና ( ስፔር) ኣቅሑት ሕድሕዶም ብር 50.00 ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ደይሬክተራት ዕዳጋ ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ካብ ዕለት 13/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 27/03/2011ዓ/ም አብ ዘሎ ግዜ ምግዛእ ትኽእሉ፤

3 ጨረታ ዕለት 27/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 እቲ ጨረታ ይኽፈት።

4 ናይ ግሪነሪ ማይ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይኖም ዝሰዓርዎም ግልጋሎት ንክተቅርቡ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣሰሩ ዝኽእሉ፤

5 ናይ ግሪነሪ ማይ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ውዕሊ ካብ ዝኣስርኹምዎ ዕለት ጀሚሩ ምስ ኣካዳሚ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ብምርድዳእ ግቡእ ግልጋሎት ክትህቡ ምዃንኹም ነፍልጥ።

6 ኣካዳሚና ካብ ዝዕድጎም ኣቅሑት 20% ምውሳኸ ወይ ምቅናስ ይኽእል እዩ።

7 ኣካዳሚና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401989 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ንርከበሉ ቦታ - ክ/ከተማ ዓይደር ቀበሌ 03 መምህራን ኮሌጅ ዝነበረ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo