ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ዘድሊ ኮምፒተርን ኮምፒተር ተዛመደቲ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደሊ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ መስፈርቲ አተማልኡ ተወዳደርቲ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምኽፋል ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ንክትውዳደሩ ንዕድም።

Tigray Water Works Study, Design and Supervision Enterprise

1 ብዘርፉ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትኽእሉ::

3 ናይ ቫት  ሰርቲፊኬት ኮፒ  ክተቅርቡ እትክእሉን እተቅርብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 ብ CPO ከትሕዙ ዝኽእል::

5 ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ።

6 ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ካብ ዝአሰሩ አብ ዉሸጢ 30 መዓልቲታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይገብሩ

7 መቅረባይ  ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በብመዓልቱ 0.1% ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝኸፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ።

8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 04/03/2011ዓ/ም - 18/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

9 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:: 

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቑ 0344-418556/0910-115362 ምርካብ ይካአል እዩ::

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo