ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም።

Tigray regional state Bureau of Construction, Road and Transport

1 መኸበሪ ጨረታ ብር 1500.00 (ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ደማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኸእል

2 ተጫራታይ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝኽእል

3 ታጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ንብረት እንተዘይተወሲዱ ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ንመንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።

4 ተጫረቲ እተቅርብዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ተመሊኡ ክቐርብ ይግባእ ንፁር እንተዘይኮይኑ ግና ካብቲ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።

5 ንመሸጣ ዝተዳለወ ንብረት ናብ ቢሮና ኣብ ኣጉላዕ ከተማ ናብ ዝርከብ ማእኸል መሰልጠኒን ብምምፃእ ኩነታት እቲ ንብረት ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም።

6 ንመሸጣ ዝተዳለወ ዝርዝር ንብረት ካብ ቢሮና ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ካብ ዕለት 19/02/2011 -28/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ኣብቲ ዝርከብ ናይ ክልል ቢሮታት ሓበራዊ ህንፃ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፀሪ 169 ክተቐርቡ ንዕድም።

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/02/2011ዓ/ም 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኾይኑ ተጫረቲ እንተዘይተረኺቦም ውን እቲ ጨረታ ዝኽፈት ይኸውን።

8 ተጫረቲ ኣድረሻኦም ስልኪ ቁፅሮምን ብንፁር ከቀምጡ ይግባእ።

9 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-403384/0342-406594 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo