መቐለ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

Mekelle Hospital

1 ኣብቲ ጨረታ ምስታፍ እትደልዩ ሕብረተሰብ ካብ ዕለት 28/9/2010 ዓም ጀሚሩ ብር 20 እናከፈልኩም ክሳብ 12/10/2010 ዓም ክትወስዱ ትክእሉ

2 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ኣድራሽን ብሸምዒ አሺጎም ሆስፒታልና ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ከእትዉ አለዎም ተጫረቲ ናብ ትካልና ብከኣካል ብምቅራብ ናይቲ ንብረት ኩነታት ኣብ ዝከነ እዋን ናብ ግቢና ብምምፃእ ምርኣይ ይከኣል

3 ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ስፒኦ 3000 የትሕዝ

4 ጨረታ ሰዓርቲ በቲ ዝሰዓረዎ ዋጋ ኣብ ዉሽጢ 7ተ መዓልቲ ሒሳቦም ከፊሎም ንበረቶም የልዕሉ እነተዘየዓልዒሎም ንጨረታ መከበሪ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ኮይኑ ንካልኣይ ጨረታ ብምዉፃእ እቲ ንብረት ይሽየጥ

5 ጨረታ ፖስታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ብምግባር ካብ እቲ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይከኣልን

6 ጨረታ ዕለት 12/10/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ብተመሳሳሊ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ንብ/ምምሕዳር ዘዳለዎ ቦታ ይከዉን

8 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ይወስዱ

9 ተጫረቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት መብርሂ መመሐየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ ቅድሚ ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ምብፅሑ ይከዉን

10 እዚ ምልክታ ተጫረትን መቐለ ሆስፒታል ከምዉዐሊ ኮይኑ የገልግል

11 ኣብ ዝርዝር ዘይተገለፀ ንብረታት ብስምምዕነት ምዉሳክን ኣብ ዝርዝር ዝትገለፀ ንበረት ከሰረዝ ከምዝክእል

12 ተጫረቲ ዝጫረትዎም ንብረታት ብዓይነት ከፋፊሎም ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም በዝሒ ናይ ሐደ ኣቅሓ ግና ከፊሎም ቐናኒስካ ምዉድዳር ኣይከኣልን

13 ሆስፒታልና ኣብዚ ምልክታ እዚ ዘይተገለፁ ረቆሒታት ብመምርሒ ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳር መሰረት ተገዛኢ ዝከዉን ተጫራታይ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 40 02 46

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo