ትራንስ ኢትዩጰያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ኣብ መቀለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ናይ መካይን ደዉ መበልን መሕደርን ስፍሕ ዝበለ ቦታ ንምፅራግን ሙሩፅ ሓመድ ( selected material) ብምጥቃም ብማሽነሪ ተሓጊዙ እቲ ቦታ ከመዓራሪይ ስለዝደለየ በቲ ዘፈር ናይ ኮንስትራክሽን ናይ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩም ተጫረቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ዉዕሊ ንምእሳር ይደሊ

Trans Ethiopia PLC

ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሱ ረቆሒታት ተማልኡ ናይ ማሽነሪ መካረይትን ምሩፅ ሓመድ ( selected material) መቅረብቲ ትካላት ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም

1 ተጫራታይ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝጋቢ መካኑ ካልኣት ተዛመድቲ መረዳእታን ክቅርብ አለዎ

2 ዝርዝር ናይቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት መመርሒ ዕደጋን ቀረብ ንብረትን ቁፅፅርን ምዉሳድ ይከኣል

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ መከበሪ ካብቲ ዘእተዎ ናይ ጨረታ ጠቅላላ ዋጋ 2 % ብስፒኦ ብሽም ትራንስ ኢትዩጰያ ሓ.ዝ.ዉ. ማሕበር / Trans Ethiopia plc / ተደልዩእቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ምስቲ ጨረታ ሰነድ ከትሕዝ ይግባእ ስፒኦ ዘየትሓዘ ተጫራታይ አብ ጨረታ ዘይሳተፍ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

4 ተጫረትቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ወይድማ ዘይሐወሰ ምካኑ ብግልፂ ክገልፁ ይግባእ ከይገለፁ እንተተሪፎም ዘቅርብዎ ቫት ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉስድ

5 ናይቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 16/8/2010 ዓም ጀሚሩ ካብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብን ንብረት ቁፅፅር ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

6 እቲ ጨረታ ሚያዝያ 29/8/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብን ንብረት ቁፅፅር ቢሮ ይክፈት

7 ተጫራታይ አሸናፊ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ስራሕ ክጅምር አለዎ

8 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344416439 / 034408205 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo