ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኣብ ጣብያ እንዳስላሰ መትረብ ወይዉን ካናል መስኖ ካናሉ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

Tsegedea Planning and Finance Office

1. ደረጃ 9ተ ደቀቅትን አናእሽተይ ትካላት ብስራሕቲ ማይ ዝኮንኩም ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ወይ ዉልቀ ደቀቅትን አናእሽተይ ትካላት

2. ቁፅሪ መለለዩ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎም

3. ናይ መቅረባየነትን ፍቃድ ሞያን ዘለዎም ኮይኖም ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክዝሉ

4. ናይ ደኣንት ምስክር ወረቀት ዘለኩም

5. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ናይ ወርሒ ጥሪ ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀዉሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6. ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 15 ለካቲት 2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 5 መጋቢት 2010 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ ።

7. መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ካብ ሕጋዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

8. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ቅዳሕ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብኑፁር ብምፅሓፍ ናብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ

9. ጨረታ 5 መጋቢት 2010 ዓ∙ ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፂዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

10. ተጫረቲ ሰዓራይ ኮይኖም ምስተረከቡ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 5 ሚኢታዊ ብምትሓዝ ዋና ናይ ደኣንት ምስክር ወረቀት ብምሓዝ ዉዕሊ አሲሮም አብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልቲ ብዝተዉሃቦም ንድፊ ሰሪሖም ከረክቡ ዝክእል

11. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12. ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ

13. እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክ ወይንም ምንካይ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914190333 ወይድማ 0931486685 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo