ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ መሳርሒ ፅሕፈት ናይ SLM ህንፃ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዘለዎ ረቋሕታት ክተማልኡ እትክእሉ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

Tahtay Maichew woreda Planning and Finance Office
  1. ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2008/ 2009 ዓም፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም
  2. Â ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት
  3. ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
  4. Â ሰነድ ጨረታ መዐደጊ ንመሳርሒ ፅሕፈት ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ኬዝ ቲም ዕደጋ ክፍሊ ቁፅሪ 10 ካብ 25 ጥቅምቲ 2009 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል
  5. ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን 13 ሕዳር 2009 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ተዝርከቡ ተመራፂ ይከዉን
  6. ዝምለስ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና ቢድ ቦንድ ንፅሕፈት መሳርሒ 3000 ቅርሺ ንህንፃ መሳርሒ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብንፁር ናይ ሓደን ጠቅላላን ዋጋ መሊእኩም ክሳብ 13 ሕዳር 2009 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ናብቲ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ
  8. ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ኣብ ነፍስወከፍ ገፅ ድማ ማሕተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ
  9. Â ተጫረቲ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ናይቲ ኣብ ጨረታ ዝሰዓርዎ ብምትሓዝ ጨረታ ምስዓሮም ካብ ዝፍለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ብዝተኣዘዘ ዝርዝርን በዝሕን ሰነድ ጨረታ መሰረት ከረክቡ ዝክእሉ
  10. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝቀረቡ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ክሳብ 20 ሚኢታዊ ወይ ክዉስክ ወይከዓ ክቅንስ ይክእል
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት እዚ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

እቲ ንብረት ዝረገፈሉ ቦታ ድማ ጣብያ ማይዓፅሚ ምካኑ ንሕብር

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0346680319 /0346680276/ 0346280336 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo