ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 01/ 2007
ኮሌጅ ንግስተ ሳባ ቴክኒክን ሙያ ዓድዋ ኣብ ኮሌጁ ንዝርከብ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክትሮኒክስ ህንፃ መሳርሒ : ኤሌክርቲክ ኢንዱስትሪን አቐሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዉያን ነጋዶ::
1 ናይ 2006 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈሉ ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሱን::
2 ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገበ::
3 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቑፅሪ TIN/ ዘለዎ ንተወሳኺ እሴት ታክስ/VAT/ ቫት ዝተመዝገበን::
4 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኮሌጅ ንግስተ ሳባ ቴክኒክን ሙያን መሰልጠኒ ትካል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕፋንምምሕዳርን ቑፅሪ 6 ዘይምለስ ብር 30 ሳላሳ በቢዘርፉ ብምክፋል ካብ ዕለት 15/ 03 /2007 ዓ/ም ጀሚሩ ክወስድ ዝክእል ምኮኑ::
5 ናይ ጨረታ ፖስታ ቅድሚ ምክፋቱ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 3000 : ኤሌክትሮኒክስ ብር 3000 : ህንፃ መሳርሒ ብር 5000: ኤሌክትካል ኢንድስትሪ ብር 3000 ናይ ጨረታ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝክእል::
6 ጨረታ ዕለት 04 /04/ 2007 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 04 /04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::
7 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ
ቴሌፎን ቑፅሪ 03 48 71 02 57 ደዊልኩም ክትረክቡና ትክእሉ ምኮንኩም ንሕብር ::