ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገለ ፅምብላ ካብ በጀት ዓመት 2009 ዓም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት: አቁሑት ፅሬት: ስራሕቲ ሕትመት: አቁሑት መለዋወጢ መኪና: አቁሑት ኤለክትሮኒክስ :ዓብዮ ናይ ማይ ፓምፕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ይደሊ

Asgede Tsimbla Planning and Finance Office

ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ተማልኡ ተጫረቲ ቀሪብኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይዚ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ
  2. መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ
  3. ናብ ዝርዝር መቅረባየነት ዝተመዝገበን ዘሐደሰን
  4. Â ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ ኮይኑ ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓ∙ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሪፖርት ከቅርቡ አለዎም
  5. ኩሉ ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዱሑን ከቅርብ ዝክእል
  6. ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ፖስታ ዋና Â ሓደ ፖሰታ ቅዳሕ በበይኑ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጎም ክቀርቡ አለዎም
  7. ተጫራታይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ወይንም ቢድቦንድ ብሲፒኦ ንሕድሕድ 5,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ዝርዝር ዋግኡ መሊኡ ኣብቲ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 23 ነሓሰ 2008 ክሳብ 4 መስከረም 2009 ዓ ∙ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ኮይኑ Â ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 4 መስከረም 2009 ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብግልፂ ይክፈት
  10. Â እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 50 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገለ ፅምብላ ከተማ እነዳባጉና ባዕሉ ኣጋዒዙ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ዝቀረበ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ናይ ምንካይን መሰል አለዎ
  12. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo