ንካልአይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ
ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንቤት ፅሐፈትና ግለጋሎት ዝዉዕሉ ሞተር ሳይክል ጉልበት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ::ስለዚ ኣብዙይ ክትወዳደሩ ዝተደሊዩ ሕጋዉያን ነዚ ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ንዕድም::
1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
3 ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
4 ናይ ሞተር ሳይክል ጉልበት ተወዳደርቲ ዝኾንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይዚ ወርሒ እዚ ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ::
5 መክበሪ ጨረታ ብረ 2000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::
6 ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 12/03/2007 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/03/2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:30 ባዕሎም/ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትገራይ ይኽፈት::
7 ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ን/ምም/ዳርን ብር 20 እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 12/03/2007 ክሳብ ዕለት 24/03/2007 ሽም "ኣድራሻ ፌርማ "ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::
8 አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ከረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀ እስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን ::
9 መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብCPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::
10 ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽን ምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ::
11 አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከም ዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ’ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ::
12 ልዕሊ 10,000 /ዓሰርተ ሽሕ ብር / አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል ::
13 መኽበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን ::
14 ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን::
15 መ /ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::