ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 01/2017 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት እውን
1. ናይ መኪና መለዋወጢ እቕሑት
2. ናይ ኤሌክትሪክ እቕሑት
3. ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት
4. ናይ ቢሮ ኣቕሑት /ፈርኒቸር
5. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑትን
6. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ( መምርሒ ተጫረቲ ) እተማልኡ ተጫረቲ ኣብ ኮሌጅና እናመጫእኹም ሰነድ ጨረታ
ብምውሳድ ክትወዳደሩ ትኽእሉ።
1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።
2/ ናይ ግብሪ ክፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም።
3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም ።
4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
5/ ናይ VAI(ተወሳኺ እሴት ታክስ) ተመዝገብቲ ዝኽንኩምን ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ/ም ዲክላሬሽን ክተቕርቡ እትኽእሉን።
6/ ነዚ ግልፂ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምላስ ብር 300( ሰለስተ ሚኢቲ ብር ) ብምኸፋል ካብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ( መሰረተ ካምፓስ) ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ካብ ዕለት 17 / 07/ 2017 ዓም ክሳብ ዕለት 09/08/2017 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11፡00 ብምውሳድ ኣብ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም እርጂናልን ኮፒን ብምባል ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ትኽእሉ።
7/ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ዋጋ ፦
7.1. ንፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑት - 5000 ( ሓሙሽተ ሽሕ ብር )
7.2. ንህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት -- 6000 ( ሽዱሽተ ሽሕ ብር )
7.3. ንመኪና መለዋወጢ ኣቅሑት -10000 ) ዓሰርተ ሽሕ ብር )
7.4. ንፈርኒቸር ኣቕሑት -6000( ሽዱሽተ ሽሕ ብር )
7.5. ንኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት -- 3000 ( ሰለስተ ሽሕ ብር)
7.6 ንኤሌክትሪክ ኣቅሑት -- 4000 ( ኣርባዕተ ሽሕ ብር)
ኮይኑ ጨረታ መኸበሪ ዋጋ ብ CPO ፣ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ትኸእሉ ።
8/ ተጫረቲ እተቕርቡዎም ዶኩሜንታት ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ብግልጺ ዝንበቡን ክኾኑ ኣለዎም ።
9/ ተጫረቲ ንፕሪንተራትን ንፎቶ ኮፒን እተቕርቡዎም ቀለማት ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሲሪያል ( Serial No.) ዘለዎ ኦርጂናል ኮይኑ ን 6' ወርሒ ውሕስና( ጋራንቲ ) ክትህቡ እትኽእሉ ።
10/ እቲ ጨረታ ዕለት 10/08/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓዕዩ/ተዓሽጉ/ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት ። ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ግን እቲ ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ።
11/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
12/ እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ከሳብ 20% ክውስኸ ወይ ድማ ክቕንስ ይኸእል እዩ።
13/ ተጫረቲ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳርኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ናብ ኮሌጅና እተቕርቡ ይኸውን ።
14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።