ትራንስ ኢትዮዽያ ሓላ/ዝተ/ውልቀ ማሕበር ኣብ መቐለ ዋና ቢሮ ዝርከቡ ዘገልገሉ ንብረት ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

Trans Ethiopia PLC

ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ንምሻጥ ዝወፀ ናይ ጨረታ ሊስታ

ቁፅሪ ጨረታ SI/002/2025

ትራንስ ኢትዮዽያ ሓላ/ዝተ/ውልቀ ማሕበር ኣብ መቐለ ዋና ቢሮ ዝርከቡ ዘገልገሉ ንብረት ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ ስለዝኾነ ቀፃሊ ዝተዘርዘረ መዐቀኒ ረቑሓታት ኣማሊኡ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፍ ይዕድም።

1. ተጫራታይ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይዚዓመት በሪ ዝከፈለ ክኸውን ኣለዎ።

2. ናይ ጨረታ መኽበሪ ናይ ዝተጫረቶ ዋጋ 5% ብጥረ ወይም ብCPO መልክዕ ክትሕዝ ይግባእ።

3. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ናይ ውዕሊ መኽበሪ Performance Guaranty) ናይ ዝሰዓሮ 5% ብጥረ ገንዘብ ወይም ብCPO መልክዕ ከትሕዝ ይግባእ።

4. ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረበ ንብረት ዝገዝኣሉ ዋጋ ብግልፂ ከቅርብ ይግባእ።

5. ዘቅረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቅመጥ ይግባእ። ተዘይኮይኑ ቫት ዘይሓወሰ ከምዝኾነ ተገይሩ ይውሰድ።

6. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘረ ንብረት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ካብ መቐለ ዋና ቢሮ ከልዕል ይግባእ ተዘይተላዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሐዞ ውዕሊ መኽበሪ (Performance Guaranty) ገንዘብ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ጨረታ ይስረዝ።

7. ተጫረቲ ካብ መጋቢት 16/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 100 እናኸፈለ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንቨንተሪ ክወስዱ ይኸእሉ።

8. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖስታ ብምእሻግ ኣብ ኢንቨንተሪ ደይሬክተር ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ እስካብ መጋቢት 22/2017 ድሕሪ ሰዓት 8:00 ከእትው ይግባእ።

9. እቲ ጨረታ መጋቢት 22/2017 ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለውዎ ኣብ ዓብይ ኣደራሽ መኣከቢ ቢሮ ይኸፈት።

10. ተጫረቲ ንዝደልይዎ ተወሳኺ መብርሂ ብቁፅሪ ስልኪ 034 440 88 98 ብምድዋል ክረኽቡ ይኸእሉ እዮም።

11. እቲ ትካል ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo