ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኮምፒተር ወረቐት ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ 2017 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቅርብ፣ VAI ተመዝጋቢ ዝኾነ ድማ ቫት ዲክሌር ዝገበረሉ ዘቕርብ፡፡
2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቁሑ ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 11/07/2017 ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምኸፋል ምውሳድ ይካኣል፡፡
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000 /ሰለስተ ሺሕ ብር ብሲፒኦ /CPO/ ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኸእል /ትኽእል/።
4. እቲ ጨረታ ዕለት 11/07/2017 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 22/07/2017 ስዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ይዕፀዉ ፡፡
5. ጨረታ ዕለት 22/07/2017 ሰዓት 4፡00 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸፈት ፡፡
6. ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ተኸታተልቲ መዓልቲ ክረክብ ዝክእል።
7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝን፣ እቲ ንብረት አድላይ ኾይኑ እንተተረኺቡ 20% ናይ ምዉሳኽን ናይ ምቕናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ፈላሊኹም ንክተእትው ንሕብር።
9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡
10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡