ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ ፣ ሕትመት ፣ ኣቑሑት ቢሮ ፣ ኤሌክትሮኒክስን መለዋወጢ ኣቑሑት ተሽከርከርትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ

Fana Credit and Saving Institution

ግልፂ ጨረታ

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ ፣ ሕትመት ፣ ኣቑሑት ቢሮ ፣ ኤሌክትሮኒክስን መለዋወጢ ኣቑሑት ተሽከርከርትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ከትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፋና መናእሰይ ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ተደለይቲ ረቛሒታት

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ ፐ ሰርተፊኬት ፣VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ቅድሚ እዚ ምልከታ ጨረታ ምውፃኡ ዝነበረ ወርሒ ቫት ዲከለር ዝገበረሉ ሰነድ ድከላሬሽንን መቕረባይነት ሰርተፊኬትን ከቕርብ ዝኽእል፤

2. ተጫረቲ ንሕድ ሕድ ዝስዕቡ ሎታት መኸበሪ ጨረታ ውሕስና ከቅርቡ ዝኸእሉ፤

▪ ንቐረብ ፅሕፈት መሳርሒ FY/G/STA//7 -ሎት oı ብር 30,000 (ሰላሳ ሽሕ ብር)

▪ ንቐረብ ፅሬት ኣቕሑ FY/G/HYM//2017 - ሎት ዐ2 - ብር 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ ብር)

▪ ንቐረብ ሕትመት FY/G/PR//2017 - ሎት ዐ3 – ብር 36,000 (ሰላሳን ሽድሽተን ሽሕ ብር)

▪ ንመለዋወጢ ኣቕሑት ተሸከርካሪ FY/G/OLS//2017 - ሎት o4 - ብር 17,500 (ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን)

▪ ንኣቑሑት ቢሮ FY/G/OFE//2017 - ሎት o5 – ብር 150,000 (ሚኢቲን ሓምሳን ሽሕ ብር)

▪ ንኤሌክትሮኒክስ FY/G/CEE//2017 - ሎት o6 - ብር 300,ooo (ሰለስተ ሚኢቲ ሽሕ ብር)

3. ኣብዚ ምልከታ ጨረታ ቁፅሪ “2” ንዝተጠቀሱ ሎታት ጎኒ ዝተቐመጡ መጠን ግምት ውሕስና ዝትክእ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ (CPO) ብሽም ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣስሪሖም ምስ ዝተመልአ ሰነድ ጨረታ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ወይ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ማሕበር ኣታዊ ክገብሩ ዝኸእሉ።

4. ኣብ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታኦም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ሙሉእ ሽምን ኣድራሻን ተጫራቲ ትካል ወይ ውልቀሰብ ዝሓዘ፣ ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

5. ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስዓት ስራሕ ዘይምለስ ብር 200.00 (ኽልተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይኽእል፣

6. ተጫረቲ ዝገዝእዎ ሰነድ ጨረታ ቴከኒካልን ፋይናንሻልን ብዝግባእ መሊኦም ዋና(ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሺጎም ኣብ ሕድ ሕድ ፖስታ ሽም ተጫራቲ፣ ማሕተም፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ኦርጅናልን ኮፒን ዝብል ብንፁር ብምፅሓፍ ከቕርቡ ኣለዎም፤

7. ጨረታ ዕለት 30/04/2017 ዓ/ም ልከዕ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ስዓት 8፡ 30 ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበርና ይኸፈት፡፡

8. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራቲ ንዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ከቅርብ ዝኸእል፤

9. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራቲ መኽበሪ ውዕሊ ኣትሒዙ ውዕሊ ጨረታ ንከኣስር ፍቓደኛ ዝኸውን፤

10. ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ውድድር ጨረታ ወፃኢ ብምግባር ንቐፃሊ ውን ኣብ ጨረታ ከይሳተፉ ከም ዝግበርን ክፈልጡ ይግባእ።

11. ማሕበርና ጨረታ ድሕሪ ምከፋቱ 20% ናይ ምውሳኸን ምንካይን መሰል ኣለዎ።

12. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13. ኣድራሻና መቐለ ኣብ ህንፃ መንፈሳዊ ኮሌጅ ከሳቴ ብርሃን 2' ደብሪ

14. ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ሰዓት ስራሕ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ኣድራሻ፡ ፖ.ሳ.ቑ 1493፣ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ፣ መቐለ፣ ትግራይ “ዕቋር ፋና መናእሰይ ንዘላቒ ኢንቨስትመንት!

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo