ምልክታ ጨረታ ፕሮሞተራት/ኩነት መዳለውቲ /መተሓባርቲ ባዛርን ኤግዚቪሽንን
ቤት ምኸሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለን ቤት ምኸሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለን ብሓባር ንዘካይደኦ ባዛርን ኤግዜብሽንን “ሰላም ኤክስፖ 2017 /ሰላም ንውሑስ ምስፍሕፋሕ ንግዲ 2017/ ብዝብል ቴማ ካብ 03 ለካቲት ክሳብ 15 ለካቲት 2017 ዓ/ም ብሽም ቻምበራት መቐለ ዓርሱ ክኢሉ በይኑ ኤግዚብሽንን ባዛርን ከካይድ ዝኸእል /Outsource ገይሩ/ ከጫርት ይደሊ፤
ስለዚ ፕሮሞተራትን ኩነት መዳለውትን ተመሳሳሊ ፍቓድ ንግዲን ዘለኩም ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ንዕድም፣ ዘድልዩ ረቛሒታት
1. ናይዚ ግብሪ ዘመን ዝተሓደሰ ኣብዚ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን IN ዘለዎን VAT ተመዝጋቢ ዝኾነን፣
2. ቅድሚ ሀዚ በዚ ተግባር ዝሰርሐሉ ልምዲ ዝገልፅ መረዳእታን ብዛዕባ ዘቕርቦም ተሳተፍትን ኣፈፃፅማኡን ኣመልኪቱ ፕሮፖዛል ዘቕርብ፣
3. ሕጋዊ ነጋዶ ከሳትፍ ዝኽእል፣
4. እቶም ዝቐርቡ ተሳተፍቲ ዝሸጥሉ ዋጋ ትሕቲ መቐለ ስሩዕ ዕዳጋ ክሸጡ ምዃኖም እተረጋግፀለን እትሕተተሉን መስርሕ ዘቕምጥ፣
5. ካብቶም ዝቐርቡ ተሳተፍቲ፣ 50% ኣፍረይትን ኣምፃእትን፣ ናይ ወፃኢ ዓዲ ትካላት ከሳትፍ ዝኸእል፣ እኸልን ጥራምረን፣ ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ...ወዘተ ከሳትፍ ዝኸእል/ከምዘሳትፍ ግቡእ ዝኣቱ፣
6. ናይ ቻምበራት መቐለ ኣዳላውነትን ናይተን ቻምበራት ክብርን ሕጋዊ ሓላፍነተንን ዘኸብር፡፡
7. ንማእኸል ኤግዚቪሽን መቐለ ቻምበር ዝኸፈል ናይ ግልጋሎትን ማቴሪያልን ኪራይ ከይሓወሰ ንቻምበራት ዝኸፈል ብፅሒት ዝተሓተ መበገሲ መጠን ገንዘብ ብር 600,000.00 ክኸፍል ዝኽእል፣
8. ተወዳደርቲ ኣብቲ ዝመልእዎ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ንመዳለውቲ ቻምበራት መቐለ ክኸፍሉዎ ዝኽእሉ መጠን ገንዘብ ብብር ብንፁር ዘቕምጡ፣
9. ጨረታ መኸበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብር 100,000.00 ብሽም ቤት ምኸሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ዘትሕዝ፣
10. ጨረታ ሰዓሪ ናይ ዝሰዓሮ መጠን ገንዘብ 50% ቅድሚያ ውዕል እንትኣስር ኸፊሉ ዝተረፈ ድማ እቲ ባዛር ኣብ ፍርቂ ምስበፅሐ ክኸፍል ዝኸእል፣
ቻምበራት ንዝቐረቡ መወዳደሪ ሓሳባት ሓቅነቶምን ክትግበሩ ዝኸእሉ ምዃኖምን እቲ ባዛር ኣብ ማእኸል ኤግዚቪሽን ቤት ምኸሪ ንግዲን ዘ/ማ/ትን መቐለ ከምዘካይዱን ዘለዎም ልምዲ ስራሕ ገምጊሙን ዝበለፀን ጠቓሚ ኣካይዳን ኣተገባብራን ብንፁር _ ዘቕረበ ወይ ዘቕርቡ ፕሮሞተራት/መዳለውቲ ኹነት (Promoters or Marketing & Event Organizers) ይምልምላ::
ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ብር 200.00 ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘ/ማ/ትን መቐለ ወሲዶም ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ መወዳደሪ ሓሳቦም ብዝርዝር ኣነፂሮም ናብ ቤ/ፅ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ የቕርቡ፣ እቲ ጨረታ ዕለት 19/04/2017 ዓ.ም ድ/ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ቻምበራት ብዘጣየሸኡ ናይ ሓባር ኮሚቴ ጨረታን ክትትል ኤግዚቪሽንን ባዛርን ኣቢለን ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረትቲ ኣብዝተረኸቡሉ ይኸፈት::
ዝተሓረየ ተወዳደሪ ቻምበራት ብዘዳለወኦ ናይ ኣፈፃፅማ መተግበሪ መርሃ ግብሪ መሰረት ሰዓራይነቱ ምስተፈለጠ/ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ይኣስር፤ በቲ ውዕሊ መሰረት ድማ ናይ ምትግባር ግቡእ ይህልዎ:: ኣብቲ ዝተጠቐሰ 3 መዓልቲ ውዕል ዘይኣሰረ መትሓጃ ዘትሓዞ CPO ናብ ቻምበር ኣታዊ ተገይሩ ሰዓራይነቱ ይስረዝ፣፣
ቻምበራት ነዚ ከይዲ'ዚ ነቲ ዝሓዘኡ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ካሊእ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺበን ነዚ ጨረታ ውድድር ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለን ዝተሓለወ እዩ::