ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ 2017 ዓም በጀት ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ፅዕንቶ ምንካይ ልማዓት ፕሮጀክት ብዝተረከበ በጀት ኣብ ወረዳና ንዝርከቡ ጣብያታት ዘራክብ መንገዲ ማለት እዉን ምስ ማእከል ወረዳና ንምርካብ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልም ካብ ከተማ ሸራሮ ምስ ጣብያ ለምለም ዘራክብ ናይ መንገዲ ስራሕቲ ብመንገዲ ስራሕቲ ተኮናተርቲ ወይድማ ጠቅላላ ናይ መንገዲ ህንፃን ኮንስትርክሽንን ፍቃድ ንዘለዎም ተወዳደርቲ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

Tahtay Adyabo Woreda Planning and Finance Office

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ብመንገዱ ተኮናተራይነት ወይድማ ጠቅላላ ናይ መንገዲ ስራሕቲ ህንፀትን ኮንስትራክሽንን ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ

3 ናይ ኮንስትራክሽን ንግዲ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2016 ዓም ወርሒ ሰነ ዘርኢ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

5 ኩሎም ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝምለስ 100000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብስም ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ከትሕዝ ዝክእል ኮይኑ መከበሪ ጨረታ ዝመለሰሉ ድማ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 18/3/2017 ዓም ክሳብ 27/3/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 2 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሰድ ይከኣል

7 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 5 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊክኣስር ዝክእል ምካኑ እዉን ክፈልጥ አለዎ

8 እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ድማ 10 ሚእታዊ ኣብ ኩነታት ዘይተምሰረተናይ ባንኪ ዉሕስና መከበሪ ከትሕዝ ይግባእ

9 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ሳይት ወይ እዉን እቲ ዝሰርሖ ቦታ ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩኣብ ዉሽጢ 75 ተከታታሊ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ፈፂሙ ከረክብ አለዎ ንዚ ዘርኢ ናይ ግዜ ሰሌዳ እዉን ከቅርብ ዝክእል

10 ተጫረቲ ብቅዑ ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎ ምካኑ ንምርግጋፅ ነዚ መረዳእታ ዝከዉን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሐደ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ስራሕ ድልድልን ተፋሰስን እንተወሐደ ናይ ክልተ ሚሊዩን ቅርሽ ብዝድለ ፅሬትን መጠንን ሰሪሑ ዘረከበ ምካኑ ካብ ዝሰርሐሉ ትካል ናይ ፅሑፍ መረዳእታ ብዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

11 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ እንትወሐደ ሐደ ሚሊዩን ቅርሺ ዘለዎም ምካኑ ብኣድራሻ ናይ ቤት ፅሕፈትና ብዝተፅሓፈ ናይ ባንኪ ደብዳብ ምስ ባንኪ ስተትምነት ከቅርብ አለዎ

12 ተጫረቲ እቲ ስራሕ ብኣግባቡ ንምስራሕ ዝድልዩ ማሽነሪታት ተሽከርከርትን ማለት እዉን ግሪደር ሮሎር ዶዘር ኤክስካቫተር ሎደር ዳብል ካብ ሰርቪስ ሻወር ትራክን ዳምብ ትራክን ሲኖ ትራክ ናይ ባዕሉ እንትሃሊዎ ናይ ዋንነት መረጋገፂ ሌብሪ ተካሪዩዝሰርሕ እንተኮይኑ ድማ ናይ ማሽናትን ተሽከርክርትን ተከራይን መካረየን ዉዕሊ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዙ ከቅርብ አለዎ

13 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝከዉን ተጫራቲ ናይ መወደእታ ዝተቀመጡ ቴክኒካል መዓቀኒታት ካብ ዘማልኡ ተወዳደርቲ ዉሽጢ ንኩሎም ንታሕቲ ዘመልእዎ ዋጋ ድምር ዝተሐተ ዋጋ ዘቅረበ ተጫራታይ እዩ

14 አፈፃፅማ ክፍሊት ዝምልክት ዝተሰርሑ ስራሕ ብባዕል ሞያ እናተረጋገፁ ተኮናተርቲ ብዝመልኦ ነፀላ ዋጋ እንዳተባዝሐ ክፍሊት ዝፍፀም ይከዉን

15 ኣብቲ ጨረታ ዝቀርብ ወጋ እዚ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 40 መዓልቲ ዝፀንዕ ይከዉን

16 ዝምላእ ዋጋ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ጥራይ ክምላእ አለዎ

17 ተጫረቲ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝትሰረዘ እንተሃልዩ ድማ ኣብ ቅድሚቱ ናይ ባዕል ዋና ክታም ክፍረመሉ ግዴታ እዩ

18 ኣብ መወዳደሪ ወጋ ኣብ ነፀላ ዋጋን ኣብ ሐፈሻዊ ዋጋን አፈላላይ ክህልዎ የብሉን ኣፈላላይ እንትሃልዩ ድማ ኣብ ነፀላ ወጋ ዝተመለአ ዝዉሰድ ይከዉን

19 ተጫረቲ ናይ ቴክኒካልን ናይ ፋይናንሽልን ሰነዳት ፖርፎርማ ዋና ኣብ ሐደ ፖስታ ከምእዉን ክልተ ቅዳሐታ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ፖሰታት ብምጥቅላላ ኣብ ሰለሰተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ተዓሺጎም ነብስ ወከፎ ድማ ኣብ ዝባኖም ትሕዝቶ ፖስታ ስም ሙሉእ ኣድራሻን ተጫራታይ ዝወዳደረሉ መንገዲ ሰራሕ ፈሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎመ ሕጋዊ ማሕተም ሓቲሞም ብምድላዉ ደጊሞም ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫራቲ ሽም ሙሉእ ኣድራሻ ዝወዳደሩ ዘሎ መንገዲ ስራሕ ፍሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎም ሕጋዊ ማህተም ሓቲሞም ብምዕሽግ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ነዚ ጨረታ ኢሉ ናብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 27/3/2017 ዓም ሰዓት 430 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ከእትዉ ይግባእ ኩሉ ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ሰዓትን ቅድሚ ምእካሉ ናይ መወዳእታ ዋጋ መቅረቢ ሰነዶም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣደያቦ ነዚ ጨረታ ኢሉ ናብ ዘዳለዎ ሳነዱቅ ጨታ ከእትዉ አለዎም

20 እዚ ጨረታ 27/3/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይክፈት

21 ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝቀረበ ዋጋ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

22 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914776902 0914363362

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo