ኤጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ መስሕባትና መፋለጢ ዝኸዉን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕትመት ከሕትም ስለዝደለየ በዚ ስራሕ እዚ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

Tigray Culture and Tourism Agency

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን :ናይ መቅረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ : VAT ተመዝጋቢ ዝኮነ : VAT ዲክሌር ዝገበረሉ መረዳእታ : ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ዝኾነ መረጋገፂ ዘቕርብ::

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቁሕት ካብ ኤጀንስን ክፍሊ ዕዳጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 18/08/08 ዓ/ም ጀሚሩ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ሲፒኦ /CPO/ ብር 5000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ከትሕዝ ዝኽእል/ትክእል::
4 እቲ ጨረታ ዕለት18/08/08 ተጀሚሩ ዕለት 4/09/08 ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕፀዉ::

5 ጨረታ ዕለት 4/09/08 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊÂ ወኪላት አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት::

6 ነቲ ሕትመት አብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ዘረክብ::

7 ቢሮና ዝሐሸ መማረሒ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 ኣድራሻና ከበቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደሰታ ዝርከብ ህንፃ አብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ::

9 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344400177 ደዊልክ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::

10 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መኽፈትን በዓል እንትዊሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo