ቤት ፅሕፈት ልምዓት አቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓዴት ኣብታ ወረዳ ንዝርከባ ኣብያተ ዕዩ አገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት :ስራሕቲ ሕትመት :ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ ኣቅሑትን: ናይ ስፖርት ዕጥቂ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

Naeder Adet Planning and Finance Office

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ክምእዉን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

3 ኣብኩሎም ዓይት ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ክትኮኑ ይግባእ

4 ሒሰ ዘፍለጥክምሉ በቢወርሑ ወይ በቢ ሰለስተ ወርሒ ኣታዊ ዝገበርክምሉ ክሳብ ወርሒ መስከረም 2017 ሒሳብ ዘቅረብክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክእሉ

5 ጨረታ ኣብ አየር ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዛ ሰነድ ጨረታ ካብ 19/2/2017 ዓም ክሳብ 9/3/2017 ዓም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ ሰነድ ጨረታ ተሸይጡ ይዉዳእ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዐሸገሉን ዝክፈተሉን 10/3/2017 ዓም ሰዓት 5:00 ዘሎ ኮይኑ ዝተሸጠ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተፋላለዩ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ዕቀባ ንብረት ዝረከብ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ እትክእሉ

6 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት ማለት እዉን 10/3/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 5:30 ቅደሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 መከበሪ ጨረታ ንመሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ረቆሒታት ተቀሚጡ ይርከብ

8 ካልኣተ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሐበሬታትን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ረቆሒታት ተቀሚጡ ስለ ዘሎ ካብኡ ኣንቢብኩም ምርዳእ ትክእሉ ኢኩም

9 ሰዓርቲ ጨረታ ንኩለም ዕድጊታት ንብረት ብናይ ባዕልኩም መፅዓንን መራገፍን መጎዓዝያ ወፃኢ ሸፊንኩም ኣብ ከተማ ሰመማ ናብ ዝርከብ እቲ ቤት ፅሕፈት አብ ዉሽጢ 12 መዓለቲ ክተቅርቡ እትክእሉ

10 ናይ ሕትመት ስራሕቲ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ሓቲምኩም ብናይ ባዕልኩም መፅዓንን መራገፍን መጎዓዝያ ወፃኢ ሸፊንኩም ክተቅርቡ እትክእሉ

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914376030 /0920862685

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo