ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨው ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ማይ ብረትን ፕላስቲክን መገጣጠሚታትን ናይ ማይ ቆፀርቲ፣ ናይ ቴክኒክ ኣቑሑት፣ ናይ ፅ/ት መላረሒ፣ ናይ ፅሬትን ናይ ኤሌትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡

Machew office of water supply

ም ል ክ ታ ጨ ረ ታ ጨ

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨው ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ማይ ብረትን ፕላስቲክን መገጣጠሚታትን ናይ ማይ ቆፀርቲ፣ ናይ ቴክኒክ ኣቑሑት፣ ናይ ፅ/ት መላረሒ፣ ናይ ፅሬትን ናይ ኤሌትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንዘማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ከጫርት ይዕድም፡፡

1. ቫት ተመዝገብቲ ክትጫረቱ ትኸእሉ።

2. ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈለን መረጋገፂ ዘቕረበ።

3. ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ፡፡

4. ናይቶም ንብረት ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝሓዘ ንምውሳድ ዘይምለስ ብር 50.00/ ሓምሳ ብር/ ብምኸፋል ካብ ዕለት 27/01/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ ‹‹1›› ብምውሳድ ዋንኡን ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ምእሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማሕተምን ብምዕራፍ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱች ጨረታ ምእታው ይክኣል።

5. ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን፡፡ ብስክርቢቶ እምበር ብእርሳስ ክፅሓፍ የብሉን።

6. ጨረታ ተጠቂፁ ዝፀንሐለ ካብ ዕለት27/01/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት11/02/2017 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ይኸውን፡፡

7. እቲ ጨረታ ዕለት11/02/2017 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት430 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ማይ መገጣጠምን ቆፀርትን ኣብ ከተማ ማይጨው ይኸፈት፡ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑትን ፅሕፈት መሳረሕን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ድማ ዕለት 11/2/2017 ዓ/ም ስዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 8፡30 ይክፈት፡፡

8. ኣብቲ ጨረታ እዋን ንምርካብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ተጫራቲ ብቑዕ ምኽንያት ኣቐዲሙ እንተቕሪቡን ናይ ጨረታ ረቋሒታት ኣሟሊኡ እንተሊኢኹን ክኽፈት ይኽእል፡፡

9. ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ናይ ማይ መገጣጠምን ቆፀርትን ብር10000/ዓሰርተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO የትሕዙ፡ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑትን ፣ ፅሕፈት መሳርን 5000/ሓሙሽተ ሽሕ/ ናይ ፅሬት ድማ ብር 3000/ሰለስተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO የትሕዙ፡፡

10. ተጫረቲ ናይ ዝስዓርዎ ንብረት ጠቕላላ ዋጋ 10 መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ፡፡

11. ስዓርቲ ተጫረቲ ዝስዓርዎ ንብረት ካብ ዕለት 20/02/2017 ዓ.ም ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይ ከተማ ማይጨው ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ፡፡

12. ተጫረቲ ዝስዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣታዊ እንተዘይገብሩ ንመኽበሪ ውዕሊ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ብቕዕዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡

13. ክፍሊት ብዝምልከት ድማ ንብረት ምስ ኣረከቡ ሒሳቦም ሙሉእ ብሙሉእ ብሓደ ግዜ ይኸፈል።

14. ኣብ ዝቐርብ ንብረት ወካሊ መርአያ ወይ ሳመፕል ከቕርብ ኣለዎ፡፡

15. ቤት ፅሕፈትና ተጫረቲ ኦርጅናል ዘይኾነ ንብረት እንተቕሪቦም ናይ ምምላስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

16. ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

17. እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምውሳኸ ናይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ፡፡

18. ጨረታ ንምዝባዕን ንምርባሽን ዝፈተነ እቲ ቤት ፅሕፈት ብቐጥታ ካብ ጨረታ የባርር እዩ።

19. ተወዳደርቲ ድሕሪ ምሽናፎም ጨረታ ጥርዓን ናይ ምቕራብ መሰሎም ዝተሓለወ ምዃኑ፡

20. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 09-53-17-67-49 ወይ ከዓ 03-47-77-02-01 ዃሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ምሕታት ይክኣል።

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo