ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዝተፈላለያ ጨንፈራትን ን/ጨንፈራትን HYBRID SOLAR POWER SYSTEM ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ

Dedebit Credit and Saving Institution S.C

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዝተፈላለያ ጨንፈራትን ን/ጨንፈራትን HYBRID SOLAR POWER SYSTEM ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ስለ ዝደለየ በቲ ቀሪቡ ዘሎ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ወይ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም ከምኡ እውን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኸእሉን ናይ 2016 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ንግድን ከባቢያዊ ምትእስሳርን (Ministry Of Trade And Regional Integration MoTR or Tigray Region Energy Certification) ከምኡ እውን ካብ ዝተፈለጡ ትካላት በቲ ስራሕ ናይ መቕረብቲ መረጋገፂ ሰርቲፊኬት ክቅርቡ ዝኽእሉ።

2. ተጫረቲ Manufacturer Authorization Letter ከቅርቡ ኣለዎም፣

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ኣብ በበይኑ ፖስታ ብምዕሻግ ኦርጅናልን ኮፒን

ዝብል ኣብ ዝባኑ ብምፅሓፍ ማህተ ክዓርፎ ብምግባር ኣብ ሓደ ፖስታ ብምዕሻግ ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ክፀሓፈሉ ድሕሪ ምግባር ከምኡ እውን ኦርጅናል ፋይናንሻል ሰነድ ንበይኑ ብፖስታ ብምዕሻግ ምስ ቴክኒካል ሰነድ ዝሓዘ ፖስታ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብሽምዒ ተዓሺጉ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

5. መጀመሪያ ቴክኒካል ሰነድ ተኸፊቱ በቲ መመዘኒ መሰረት መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተወዳደርቲ ብምፍላይ ቀፂሉ ናይቶም መሕለፊ ነጥቢ ዝረከቡ ተወዳደርቲ ፋይናንሻል ዶኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ብምኸፋት ብናይ ክልቲኡ ድምር ውፅኢት ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ስዓሪ ጨረታ ይኸውን። ቴክኒካል መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተወዳደርቲ ድማ በቲ ናይ ጨረታ መምርሒ መሰረት ፋይናንሻል መመዘኒ ዝሓዘ ሰነድ ከይተከፈተ ናብ ሰብ ዋና

6. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 27/12/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ.2 ብብር 500.00 /ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

7. ናይ ጨረታ ዶኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ዕለት ካብ 27/09/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 07/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዋና ቢሮ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይኸውን፡፡

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና  /unconditional Perfomance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ/ዋ።

10. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፐስፍኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

12. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo