ትራንስ ኢትዩጰያ ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቢሮታት ናይ ሰራሕ ቦታን ናይ ሐለዋ አገልግሎት ንምርካብ ዝተዋፈረሉ ትካላት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዉዕሊ ንምእሳር ይደሊ

Trans Ethiopia PLC

1 ብናይ ሐለዋ አገልግሎት ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ 2016 ዓመ ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ ካብቲ ዉድድር ወፃኢ ይግበር

3 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝሐወሰ ወይድማ ዘይሐወሰ ምካኑ ከምእዉን ቲኢቲ ዝሐወሰ ወይድማ ዘይሐወሰ ምካኑ ብግለፂ ከቀምጡ አለዎም

4 እዚ እንተዘይተፈሊጡ እቲ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቲኦቲ ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉሰድ

5 ከምእድማ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቲኦቲን ተመዝገብቲ እንተዘይኮይኖም ብግልፂ ከቀምጡ አለዎም

6 ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምእታዎም እቶም ዝሕለዉ ቦታ ብኣካል ናብቲ ትካል መፂኦም ክሪኡ አለዎም

7 ተጫረቲ ነቲ ጨረታ መከበሪ ናይቲ ዘቅርብዎ ጠቅላላ ዋጋ  2 ሚእታዊ  ትራንስ ኢትዩጰያ ሃላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሽም ዝተዳለወ  ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

8 ጠቅላላ ዋጋ ማለት ናይ ሐደ ዓመት ድምር ዋጋ ምካኑ ከምኡደማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቲኦቲ ዝሐወሰ ምከኑ ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም

9 እቲ ዝቀርብ ስፒኦ ንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ ስፒኦ ዘይቅረበ በቲ ዝተጠቀሰ መጠን መሰረት ዘይተሐዘ ተጫራታይ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

10 ተጫረቲ ቴክኒክል ፋይናንሻልን ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ምትእስሳርን መቅረብትን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ይክእሉ

11 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ሐደ ዓመት ዉዕሊ ብምእሳር ስራሕ ክጅምር አለዎ

12 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፐስታ ክስብ 13/1/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ኣብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ምትእስሳርን መቅረብትን ዝተዳለወ ሳንዱቅ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ብሮፖዛል ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ከምእዉን ቴክኒካል ብሮፖዛል ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ከቅርቡ አለዎም

13 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ መዓቀኒ ቴክኒክ 30 ሚእታዎ ፋይናንሻል 70 ሚእታዎ ዝሐዘ ምካኑ ነብሰወከፍ ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሱ ነጥብታት ብኣግባቡን ብጥንቃቀን ክመልኡ አለዎም

14 ፋይናንሻል ቴክኒካል ድምር መዓቀኒ ዝለዓለ ነጥቢ ዘምፀአ ተጫራቲ ሰዓሪ ይከዉን

15 ሳንዱቅ ጨረታ 13/1/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ምትእስሳርን መቅረብትን ይክፈት

16 እቲ ጨረታ በቲ ዝተቀመጠ ምልክታ እቲ ሰነድ ጨረታ ዝተማለአ እንተኮይኑ ተጫረቲ አብ ዘይተረከብሉ ይክፈት

17 ትካልነና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914007732 / 0914722360

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo