ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ንፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ካልኦት ሐለዋ ዘድልዩ ቦታታትን ስራሕቲ ሐለዋ ብቅዓት ንዘለዎ ሐለዋ ግልጋሎት ዋሃብቲ ትካለት ብዉድድር ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ

Messebo Cement Factory

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ሐለዋ ንግዲ ዘለዎም: ተወሳኪ እሴት ታክስ  ወይድም ቲኦቲ ዝተመዝገብሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ:

2 ብናይ ሐለዋ ስራሕ ካብ ፌደራል ፖሊስ ወይድማ ካብ ክልል ዝተዉሃበ መረጋገፂ ብቅዓት ብቅዳሕ ዘቅርብ

3 ዘተኣማምን ሙሉ ዉሕስና ዘለዎ አወዳድባ ሐለፍነት በቲ ሞያ ብዘለዎም ሰራሕተኛ አመራርሓ ፋይናንሳዊ ዓቅሙ ድልዱል ዝኮነ

4 ነቲ ስራሕ ዘድልዩ ተሽከርከርቲ ረዲዩ ርክብ መፈተሺ መሳርሒታትን ነቲ ሙያ ዝሕግዙ ዝተማልኡ ዘመናዊ መሳርሒታትን ዘለዎ

5 ዝቆፅሮም አባላቱ ዕድመ ካብ 18 ክሳብ 50 ዝኮነ ናይ ወትድርና ሞያ ምህለዉ መረጋገፂ ዘለዎ

6 ብናይ ሐለዋ ስራሕቲ ኣብ ፍሉጣት ትካላት ልዕሊ 5 ዓመተ ስራሕ ልምዲ ዘለዎም

7 ቅድም ሒዚ ምስ ዝሰርሐሎም ትካላት መሰረታዊ ዝኮነ ሽግር ዘየጋጠሞ ምካኑ ናይ ምስግና ወረቀት ወይ ድጋፍ ደብዳብ ካብ ሐደ እስካብ ሓሙሽተ ዝተጠቀሱ ትካላት ከቅርብ ዝክእል

8 ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ 5000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

10 ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ ዕለት 23/11/2016 ዓም ኣብ ፋብሪካ መሰቦ መምርሒ ዕደጋ ቀረብን ከተቅርቡ ይክእሉ

10 እቲ ጨረታ 23/11/2016 ሰዓት 4:15 ናይ ንጎሆ ተዓፅዩ እቶም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ንጎሆ ይክፈት

11 ፋበሪካ ስሚንቶ መሶበ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0348400362 0344405806

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo