ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ንምግላፅ ከም ዝተፈተነ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንስ ወ/ቆላ ተምቤን ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ካብ ዝተመደበሉ በጀት ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ዘግልግል ናይ ፈርንቸር ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ሰለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እታማልኡ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

Kola Temben Worda Planning and Finance Office

ቑፅሪ ል/እ/ም/ፋ/ጠ/ቆ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር/ 20/02/2016 

ዕለት 17 /10 /2016 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ም/ር ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን ምልክታ ግልፂ ጨረታ 

ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ንምግላፅ ከም ዝተፈተነ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንስ ወ/ቆላ ተምቤን ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ካብ ዝተመደበሉ በጀት ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ዘግልግል ናይ ፈርንቸር ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ሰለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እታማልኡ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

• ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/Specification/ ምስራዝ ኣይካኣልን።

• እቲ ግልፂ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ ።

• እዚ ግልፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዎ ይኸፈት በቲ ዝተብሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኸቡ ተረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይለውሉ ዝኽፈት ምዃኑ።

• ስዓራይ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን ከቅርብ ዝኽእል ።

• ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 200 / ክልተ ሚኢቲ ብር / ካብ ከይዲ ስራሕ ልምዓት እቶት ወረዳ ቆላ ተምቤን ሰነድ ብምግዛእ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዝግባእ መሊኡ ክወዳደር ዝደሊ

• ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 10,000 ብር ብopo ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ።

• ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 17/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 02/11/2016 ዓ/ም ኮይኑ ሓደ ኮፒን ሓደ ኦርጅናል ነንበይኑ ዓሽጉ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይከኣል

• እቲ ጨረታ ዕለት 02 /11 /2016 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ቅድሚ ስዓት ይክፈት ዝኸፈተሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 39 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት ። ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጓጎልን።

• ስዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕል ክኣስር ዝኽእል።

• ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርድ / ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ካቐርብ ዝኽእልን ቫት ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለረሽን መረዳእታ ካቐርብ ዝኽእል።

• ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን እዚ ግልፂ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙልእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

• ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ተወሳኺ ሓበሬታ 0914158967 ወይ 0911733447

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo