ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ንፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ካልኦት ሐለዋ ዘድልዩ ቦታታትን ስራሕቲ ሐለዋ ብቅዓት ንዘለዎ ሐለዋ ግልጋሎት ዋሃብቲ ትካለት ብዉድድር ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ

Messebo Cement Factory

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ሐለዋ ንግዲ ዘለዎም: ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ: መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዝኮነ

2 ብናይ ሐለዋ ስራሕ ካብ ፌደራል ፖሊስ ዝተዉሃበ መረጋገፂ ብቅዓት ብቅዳሕ ዘቅርብ

3 ዘተኣማምን ሙሉ ዉሕስና ዘለዎ አወዳድባ ሐለፍነት በቲ ሞያ ብዘለዎም ሰራሕተኛ አመራርሓ ፋይናንሳዊ ዓቅሙ ድልዱል ዝኮነ

4 ነቲ ስራሕ ዘድልዩ ተሽከርከርቲ ረዲዩ ርክብ መፈተሺ መሳርሒታትን ነቲ ሙያ ዝሕግዙ ዝተማልኡ መሳርሒታትን ዘለዎ

5 ብናይ ሐለዋ ስራሕቲ ኣብ ፍሉጣት ትካላት 5 ዓመተ ስራሕ ልምዲ ዘለዎም

6 ቅድም ሒዚ ምስ ዝሰርሐሎም ትካላት መሰረታዊ ዝኮነ ሽግር ዘየጋጠሞ ምካኑ ናይ ምስግና ወረቀት ወይ ድጋፍ ደብዳብ ካብ ሐደ እስካብ ሓሙሽተ ዝተጠቀሱ ትካላት ከቅርብ ዝክእል

7 ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ 5000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

8 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

9 ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ ዕለት 17/10/2016 ዓም ኣብ ፋብሪካ መሰቦ መምርሒ ዕደጋ ቀረብን ከተቅርቡ ይክእሉ

10 እቲ ጨረታ 17/10/2016 ሰዓት 4:15 ናይ ንጎሆ ተዓፅዩ እቶም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ንጎሆ ይክፈት

11 ፋበሪካ ስሚንቶ መሶበ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342410085

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo