ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ናይ ሰራሕተኛታት ደምቢ ክዳን (Uniform) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፋና መናእሰይ ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ዕቃርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ

ቑፅሪ ፋመ/777/16 

ዕለት 21 / 08 / 2016 ዓ/ም

ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ FY/G/UNI/02/2016

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ናይ ሰራሕተኛታት ደምቢ ክዳን (Uniform) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፋና መናእሰይ ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ተደለይቲ ረቛሒታት

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ II ሰርተፊኬት ፣ንተወሳኪ እሴት ታክስ VAI ምዝገባ ሰርቲፊኬትን፣ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ቀዲሙ ናይ ዘሎ ወርሒ ቫት ዲክለር ዝገበረሉ ሰነድ ድክላሬሽንን መቕረባይነት ሰርተፊኬትን ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ጨረታ ብር 15,000.00/ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ኾይኑ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ (CPO) ወይ ብጥረ-ገንዘብ ብስም ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝኽእሉ።

3. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ተወዳዳራይ ትካል ሽምን ኣድራሻን፣ ሕድሕድ ገፅ ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

4. ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስዓት ስራሕ ዘይምለስ ብር 100.00 (ሓደ ሚኢቲ)ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይኸኣል፣

5. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ዋና ምስ ሓደ ቕዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቕርቡ ኣለዎም፤

6. እቲ ጨረታ ዕለት 09/09/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበርና ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቐፃሊ ኣብ ጨረታ ከይሳተፉ ከም ዝግበርን ክፈልጡ ይግባእ።

8. ማሕበርና ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምንካይን መሰል ኣለዎ

9. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ኣድራሻና መቐለ ኣብ ህንፃ መንፈሳዊ ኮለጅ ከሳቴብርሃን 2ይ ደብሪ

11. ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ሰዓት ስራሕ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል፡፡

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo