ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ብናይ DRDP 2 ዝክፈል ካብ ጣብያ ዝባን ገደና ፀረጋ ናብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝወስድ ምስፍሕፋሕ መንገዲ ማለት እዉን ሰረቪሲንግ ሐድሽ ፎርች ምፅጋን ድችን ደጋዊ መንድቅን ከስርሕ ስለዝደለየ ብጠቅላላ ኮንትራክተር GC ወይ ሮድ ኮንትራክተር RC ፈቃድ ንዘለዎም ትካላት ንግዲ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

Tahtay Adyabo Woreda Planning and Finance Office

ስለዚ ተወዳደርቲ ኣብ ቲ ዕድጋ ፕሮፎርማ ንምስታፍ ዞም ዝስዕቡ ረቆሒ ከማልኡ አለዎም

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ምዝገባ ፈቃድ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ:  ፈቃድ ንግዲ :  ናይ ኮንስትራክሽ ሞያ ፈቃድ ምዝገባ : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ :  ምዝገባ ወረቀት ምስክር :  መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግበሪ :  ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ታሕሳስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክሊር ሽን :  ወረቀት ምስክር መቅረባይነት : ዝተሐደሰ ወረቀት መንነት ክቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ኮንስትራክሽን ወይ እዉን ተኮናተራይነት ምዝጋባ ካርድ ከቅርብ ዝክእል

4 ኣበቲ ፕሮፎርማ ተዓዋታይ ዝኮን ዝተሐተ ቴክኒካዉን ፋይናሳዊን መዓቀኒ ኣማሊኡ ዝተሐተ ዋጋ ዝእተዉ ኮንትራክተር ይከዉን

5 ተወዳደረቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሪ ኣብ ዉሽጢ 50 ተካታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

6 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ተዓዋታይ ተባሂሉ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ሓሙሽተ ናይ ቅሬታ መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ብምሓዝ ዉዕሊ ዝክእል

7 ኮሎም ተወዳደረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ 14/8/2016 ዓም ጀሚሪ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣድላይ መረዳእታት ብምሓዝ እቲ ሰነድ ዕድጋ ክወስዲ ይክእሉ እዩም

8 ተወዳደርቲ ናይ ዝጫረትሉ ዋጋ ዝሐዘ ሰነድ ጨረታ መረዳእታ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን መፃዋዕታ ዕደጋ እስፐስፊኬሽን ዲዛይን መጠቃላሊ ዋጋ ምስቲ ቅድሕ ሰነድ ብንግዲ ዝተወሃቦም ከሉ መረዳእታት ናይ ኮንስትራክሽን ሞያ ፈቃድ ምዝጋበ ካርድን ወረቀት ምስክር ምዝገባ ከፋሊ ግብሪ ናይ ወረሒ ታሕሳስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሬሽን ቅዳሕ ተገይሩ ነኒበይኖም ኣብ ዝተፋላለዩ ፖስታ ምስዓሸጉ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ዋናን ቅዳሕን ዝብል ፅሒፎም ኩሎም ፖስታት ኣብ ካሊእ ፖስታ ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረተሉ ፕሮጀክት ሽም ፊርማን ኣብ ልዕል እቲ ፖስታ ከምዝንበብ ምፅሓፍን ፈሪሞምን ሓቲሞምን ነቲ ፕሮፎርማ ዕደጋ ተባሀሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 21/8/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእተዉ ይክእሉ እዩም

9 ተወዳደረቲ ኣብቲ ናይ ዕድጋ ሰነድ ዝቀርቡ ሰነዳት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብሰ ወከፈ ገፅ መረዳእታ ፈሪሞምን ሓቲሞም ቅዳም ሰዓብ እነተይኣዛበዑ እቲ መረዳእታ ከምቲ ክሽየጥ ዝነበሮ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም ከምእዉን ስርዝ ድልዝ ዝተገበረ ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ዓሪፊዎ ኣብ ቅዳሕ ክርከብ አለዎ ዝተጎደለ ብትክክል ዘይተመለአ ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዐን ናይ ዕዳጋ ሰነድ ካብ ዕደጋ ዋፀኢ የግብር እዩ

10 ዝተዐደሙ ተጫረቲ ብሮድ ኮንስትራክሽን RC ወይ ብጠቅላላ ኮንስትራክሽን GC ኣጣሚሮም ፈቃድ ንዘዉፅኡ ተኮናተርቲ ዝዕድም ኮይኑ ደረጃ ኣይፈልን ከምእዉን ፍሉይ ሐለፋ ኣይፈቅድን

11 ኮሉም ተወዳደርቲ መክበሪ ፕሮፎርማ ዕደጋ ዝምለስ 100000 / ሐደ ሚኢቲ ሽሕ / ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ይግባእ

12 መክበሪ ዕዳጋ ዝልቀቀሎም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን

13 እቲ ፕሮፎርማ ዕደጋ ዕለት 21/8/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀተሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይከፈት

14 ተጫረቲ ብቁዕ ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎም ምካኖም ምቅራብ ዝክእልን ከምእዉን ብመንግዲ ስራሕቲ ተፋሰስ እንተናአሰ ናት ኣርባዕተ ሚሊዩን ፕሮጀክት ብዝተደለየ ፅሬት መጠን ሰሪሑ ዘረከበ ምካኑ ካብ ዝሰርሐሉ ሕጋዊ ትካል ሕጋዊ መረጋገፂ መረዳእታ ከቅርበ ዝክእል

15 ተጫረቲ ሰራሕ መጀሚሪ ዝከዉን እንተናአሰ ሐደ ሚሊዩን ዘለዎ ምካኑ ብኣድራሽ ንቤት ፅሕፈት ዝተፅሓፈ ናይ ባንኪ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

16 ተጫረቲ ነቲ ስራሕ ዘድሊ ዳምፕ ትራክ ወይ እዉን ሲኖ ትራክ : ፒካፕ መኪና ናይ ባዕሎም እናሃለዎም ናይ ባዕል ዋና መረጋገፂ ሌብሪ ተካሪዩ ዝሰርሕ እንትኮይኑ ድማ ናይ ማሽነሪታትን ተሽከርከርትን ተካራይ ኣካራይን ፈቃድ ምስ ሰነድ ጨረታ ኣታሓሒዙ ከቅርብ አለዎ

17 ተጫረቲ እቲ ጨረታ ምስተዓወቱ ቅድም ዉዕሊ ምእሳሮም ነቲ ስራሕ ዘድሊማሽነሪታት ማለት እዉን ሎደር : ፍሎር ኤክስካፓተር :  ሻወር ታራክን : ግሪደርን ካልኦትን ምቅራብ ዝክእሉ ምካኖም መረጋገፂ ምቅራብ ዝክእሉ

18 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo