ሎት 1 ሞተር ብስክሌት
ሎት 2 ባትሪ መኪናን ናዉቲ ኤለክትሪክን
ሎት 3 ማሽን ፎቶ ኮፒ
ሎት 4 መሳርሒ ፅሕፈት
ሎት 5 ናይ ሰራሕተኛ ጥቅማጥቅሚ
ሎት 6 ንፊልድ ሰራሕተኛታት ዝከዉን ዓራት ፍራሽን ትርኣስን ዝአመሰሉ
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት
- ናይ 2008 Â ዓመት እዚ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም መለለዩ ቁፅሪን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀትን ዘለኩም
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም መለለዩ ቁፅሪ ከፋልነት ግብርን መረዳእታ መቅረባይነትን ዘለዎም ክትጫረቱ ትክእሉ
- ሰነድ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከተማ መቀለ ኣብ ጥቃ ኣጅፕ ዝርከብ ቤት ዕዮና ቢሮ ቁፅሪ 102 ብምዉሳድ ክትጫረቱ ትክእሉ
- ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንሕድሕድ ምድብ 5,000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒሶ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክትሕዙ ኣለዎም
- ተጫረቲ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክቀርብ ኣለዎ
- ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ መቀለ ዝርከብ መክዝና ኣታዊ ይገብር
- ሳንዱቅ ጨረታ 29 መጋቢት 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 30ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344407761 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል