1 በዚ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮይኑ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ከፈሉ ንግዲ ፍቓዶም ዝተሐደሰ::
2 ቲን ቁፅሪ ዘለዎም ቫት ተመዝገብቲ ምኮንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ዝክእሉን::
3 እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ እንተዘይተፈሪሙሉ ተቐባልነት የብሉን::
3 ናይ ጨረታ መከበሪ ዋሕስና ካብ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብ CPO ብሽም ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ከትሕዝ ዝክእል::
4 እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ትካላት ካብ ማሕበርና ጉድኣት ኩናት ትግራይ ክፍሊ ፋይናንስ ዘይምለስ ብር 200/ክልት ሚኢቲብር / ብክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ክትወስዱ ትኽእሉ::
5 ተጫራታይ ኣብዚ ጨረታ ግልፂ ዘይኮነሉ ዝኾነ ሕቶ ዘለዎ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቕርብ አለዎ::
6 ዉዕሊ መከበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ብሽም ማሕብርና ጉድኣት ኩናት ትግራይ ብብባንኪ ዝተረጋገፀ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእል
7 እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 05/03 /2016 ዓ/ም ክሳብ 14/03/2016 ዓ/ም ጨረታ ምዕዳግ ዝከኣል እንትከዉን እዚ ጨረታ ዕለት 14/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ 6 ይ ደብሪ ምም/ ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 19 ይኽፈት::
8 ቤት ፅሕፈትና ከም ኣድላይነቱ ካብ ነብሰ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሰብ 20 መእታዊ ናይ ምቅናስን ምዉሳክን መሰል አለዎ
9 ዝሰዓረ ትካል ሰዓራይ ምኻኑ ብፅሑፍ ወይ ብኣካል ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ካብ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ተከታተልቲ 2ተ መዓልቲ ክረክብ ዝክእል ሕድሕድ ንብረት ኦርጅናል ምካኑ ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ኣታዊ ይከዉን ኣብዚ ዝተቀመጠ መዓልቲታት ክረክብ እንዘተይኪኢሉ ዘትሓዞ ዉዕሊ መከበሪ ስፕኦ ናብ ቤት ፅሕሐፈት ኣታዊ ይግበር
9 ካብዚ ናይ ቤት ፅሕፈትና ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ወፃኢ ዝቀረበን ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ተቀባልነት ስለዘይብሉ አብዚ ዝተዉሃበኩም ዋጋ መቅረቢ ጥራሕ ይምለእ
10 እዚ ሰነድ አብ ሕጊ ከም ዉዕሊ ኮይኑ ዘገልግል ምኻኑ ከፍልጥ ይግባእ::
12 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ
ሞባይል 0914700869/ 0914765389
ኣድራሻ ኣብ ጥቃ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ህንፃ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ 6ይ ደብሪ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 19 እዩ ::