ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ Power House Wall Mounted ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቑሓ እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

Dedebit Credit and Saving Institution S.C

1. ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ አትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 14/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 409 ብብር ሓምሳ ብር ጥራሕ/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 14/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 28/2/2016 ዓ.ም 3፡00 ናይ ንግሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

5. ጨረታ ዕለት 28/2/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሸጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልቲ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ሕልው እዩ፣

9. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo