ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ንቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፣ኣቑሑት መለዋወጢ መኪና (ስፔር ፓርት)፣መኪና ጎማን ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ስለዝደለየ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

Centeral zone administration office

1 ናይ 2012ዓ/ም   ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

2 መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ዘለዎ  ፣ኣብ ተወሳኺ አሴት ታክስ ዝተመዝገበ ፣ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

3 እቶም ቅድም ኢሎም ዝተጠቀሱ ረቋሒ መረዳእታ ዋናን ቅሕን ሓደ ገፅ ሒዝኩም ክትቀርቡ ኣለኩም

4 ተጫረቲ ዘይምለስ 40.00 ቅርሺ ንነብሲ ወከፍ ጨረታ ብምኽፋል ከብ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብ/ት ዞባ ማእኸል ቁፅሪ 37 ምውሳድ ይከኣል።

5 መኸበሪ ጨረታ ንጎማ መኪና7000.00 ቅርሺ ፣ ን መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ውዕሊ ክኣስሩ ዝኽእሉ፤

7 ተጫረቲ መኸበሪ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ 10% ብሲፒኦ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

8 ተጫረቲ ካብ ዝኣሰርሉ እዋን ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ን መገጣጠሚኡን ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርቡ ክኽእሉ ኣለዎም።

9 ጨረታ 17/09/2012ዓ/ም  ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሰሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይኽፈት።

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-754852

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo