ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ንከተማ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ደገ መብራህቲን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:

Abyi Adi Town Planning and Finance Office

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2008 ዓ/ም ዘሐደስኩም::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክሲ/ቫት/ ኮይኖም ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣታዊ ዝገብርሉ ዋንኡን ምስ ሐደ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ::

4 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ናይ ግብሪ ኸፋለይ መለለይ ካርድ (TIN) ዘለኩም

6 ንጨረታ መክበሪ ንኤሌክትሪክ ብር 5000 ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር ቁፅሪ 9 ክፍሊ ሰነድ ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ደኩመን ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ  ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን  ብምፅሓፍ አብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ እናተሓሳሰበና::

9 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 29/04/2008 ዓ/ም ክሳብ 13/05/2008 ዓ/ም እንትከዉን 3:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 13/05/2008 ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/05/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

12 አብቲ ሰነድ ጨረታ ወይ ዝወፀ Specification ምንክካእ ወይ ብተማሳሳሊ ሞዴል ምቅማጥ ኣይፍቀድን

13 እቲ ጨረታ አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ

14 ሰዓራይ ከይኑ ዝተረከበ ተጫራታይ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወይ መጓዓዝያ እቲ ዘሸነፎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓለቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ኣታዊ ይገብር::

15 ቤት ፅ/ትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344460058 /460173 ብምድዋል ይሕተቱ::

ኣድራሻ :  ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ

 

 

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo