ምድብ-1 /LOT -1 : - ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት
ምድብ- 2 /LOT -2 ቐዋሚ ንብረት ፈርኒቸር
ምድብ- 3 /LOT -3 ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑትን አናእሽተይ ቀወምቲ ንብረታትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩክዕድግይደሊ ስለዚ
1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;
4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስኽርወረቐትሓደ ኣርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንክልቲኡ ምድብ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንምድብ 3 /LOT -3 ንምድብ 1 /LOT -1 ንምድብ 2 /LOT -2 ድማ አብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ንብረት ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::
6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉንይግባእ::
7 ተጫረቲን ዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ነጨረታን ምድብ- 1 /LOT -1/ ምድብ- 3 /LOT -2/ ን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 40. 00 /ኣርብዓ ብር/ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 7 /4 /2008 ዓ/ም ክሳብ 21/ 4/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ምድብ- 1 /LOT -1/ ን ብር 5500.00 /ሐሙሽተ ሽሕ ሓሙሽተ ሚኢትን ብር / ምድብ- 2 /LOT -1/ ን ምድብ- 3 /LOT -3/ ድማ ንሕድሕድ 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር / ብሽም ቢሮፍትሒ ክልል ትግራይ /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብ ስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::
9 እቲ ጨረታ ዕለት 21 /4 /2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት :830 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::
10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ክዉስክ ንይክእልእዩ::
12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊይ ኸዉን::
13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::