- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ምስክርነት ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ተጫረቲ ኣብ ስራሕ ንግዲ ከምዝተወፈሩ መረጋገፂ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ተጫረቲ ንጨረታ እንትኣትዉ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ናይ ጨረታ ዋጋ ቫት ዝተሓወሶ ምካኑን ብግልፂ ዘቀመጡ እቲ ውስኪት እንትፍፅሙ ሕጋዊ ደረሰኝ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብክፋል መቀለ ካብ ዝርከብ ዕዲጊት ንብረት ኣቅርቦት ቁፅፅርን መምርሕን ቢሮ ምዉሳድ ይከኣል
- መክበሪ ጨረታ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብሲፒኦ መልከዕ ኣብ ትራንስ ኢትዮዽያ ሓ .ዝ. ዉ .ማሕበር ከትሕዝ ይግባእ
- እቲ ጨረታ ዘሸነፈ ንዘሸነፎ ንብረት መቀለ ናብ ዝርከብ መክዘን ጋንታ ስፖርት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ከብፅሕ ዝክእል
- ተጫረቲ ንዘሸነፍዎ ንብረት ክፍሊት ዝፍፀመሎም ኣቁሑት ኢንስፒክት ተገይሩ ኣታዊ ደረሰኝ ኣታዉ ደረሰኝ ምስተቆረፀሎም ከምዝኮነ ተጫረቲ ኣቀዲሞም ክፈልጡ ይግባእ
- ተጫረቲ ኣብ ዝተዉሓቦም ሰነድ ዉሽጢ ዋጉኦም መሊኦም ብሽምዒ ኣብ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ክሳብ 11 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 30 ኣብ ዘሎ ግዘ መቀለ ኣብ ዝርከብ ቤት ንብረት ኣቅርቦትን ቁፅፅርን መምርሕን ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክእሉ
- እቲ ጨረታ 11 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 10 ፡00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- እቲ ጨረታ ወኪላቶም ወይ ባዕሎም እንተዘይተረኪቦም ዉን ይክፈት
- ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኩቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለዉ እዩ
ንዝበለፀ ብሰልኪ ቁፅሪ 0344416439 ወይድማ 0344408205 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል