የማይ ፀብሪ እርሻ ምርምር ማእከል

1 ብተዛመዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቐረባይ ዘተመዝገብን ግብሪ ምክፋሉ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከቕርብ ዝክእል፤

2 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ጨረታ መትሓዚ ብር 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ፣ ናይ መኪና ኣቅሓ መለዋወጢ ብር 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዙ ይግባእ።

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ አለዎም

6 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርቡ ዘለዎ እንትከዉን ዋንኡ/ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገቡ :ቃለ መሓላ : ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ።

5 ሰነድ እቲ ጨረታ አብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 30.00 (ሰላሳ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቐረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብረሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዩም ቐደም ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 0344- 44 05 49 ክሓቱ ይኽእሉ።

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 10/02/2012 ዓ/ም እስካብ 25/02/2012 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 26/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለትዉን 26/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይክፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋጉልን።

8 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይፀብሪ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

አድራሻ : ሽረ ኣልጋነሽ ጥዕና ጣብያ