ትግራይ ክልል ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኤጀንሲ

ክተወዳደሩ እትደሊዩ ተጫረቲ  ክተማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት

1 በዚይ መሰረት ሕድሕድ ዝተጠቀሱ ዓይነት ዘርፍታት ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ: ቫት ተመዝገብ : ቲን  (Tin No) ዝኮንኩምን በቲ ሐድሽ መቅረባይነት ዘለኩም ጨረታ ንክትወዳደሩ ፃዉዒት ይገብር::

2 ክትወዳደሩ እትደሊዩ ነጋዶ ህጋዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ፈቓድ ፎቶ ኮፒ ክተቕርቡ ይግባእ::

3 ዝተዳለወ ጨረታ ሰነዱን መምርሒ ጨረታን ዝሓዘ ዝርዝር ብአካል ናብ ኤጀንሲና ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 50.00  /ሓምሳ/  ቅርሺ ብምኽፋል ጨረታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ መቐለ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት ካብ 06/ 3 / 2008 ዓ/ም  ክሳብ  ዕለት  20 /3 / 2008 ዓ/ም  ሰዓት 10:30  ድ/ቀትሪ ምዉሳድ ትኽእሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ናብ ሳፅን ጨረታ ዝአትዩሉ  ዕለት ክሳብ 20 /3/  2008 ዓ/ም ሰዓት 11:20 ድ/ቀትሪ ይኾዉን  ::

4 ተጫረቲ  3,000.00  /ሰለስተ  ሽሕ  ቕርሺ /  መኽበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ  /ሲፒኦ / ወይም ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ትኽእሉ

5 እዚ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/3/2008 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ቀትሪ ዝኽፈተሉ ዕለት 21/ 3 /2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ጨረታ ኮሚቴ ተጫረቲ ወይ ህጋዊ ወከልቶም ካልኦት ተአዘብቲ ጨረታ ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ይኸዉን::

6 ኤጀንሲና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ  መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 በቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮኑ መቕረብቲ ወይ ድማ ተጫረቲ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዋጋ   ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ዉዕሊ ምስአሰረን ይምለሶሎም::

8 እቲ ክዕደግ ዝተደለየ ንብረት ሰዓራይ ጨረታ ዝኾነ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ  ዉሽጢ10/ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝወፀ  ስፕስፊኬሽን መሰረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት  አብ ናይ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 20 መፂኡ ከርክብ ዝኽእል

9 ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ዘትሐዝዎ ስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከይተሐደሰ አብኡ ከሎ ንዉዕሊ መትሐዚ ክከዉን አይከአልን

10 እቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ጨረታ ሳፁን ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

ኣድራሻ  

ትግራይ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ህንፃ ማሕበር ጉዳአት ኩናት ትግራይ 5 ደብሪ ይከዉን

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስቁ 0344 -404161 0932278704 /0914729563 ተጠቀሙ