ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ከምዝስዕብ ንዕድም
ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት
- ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለዎ
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለየ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምን ቲን ሰርትፊኬት ክተቅርቡ ትክእሉ
- ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ ኮፒ ዘቅርብ ኮይኑ ንመድሓኒት ኣይሓዉስን
- ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካበ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ መቀለ ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ ትክእሉ
- ዝወሰዶ ሰነድ ጨረታ ዓሺጉ ሽምን ፊርማን ገይሩ ዘቅርብ
- መወዳደሪ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ
- ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ጥራሕ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 02 ካብ 22 /02 /2008 ዓም ክሳብ 06/ 03 /2008 ዓም ሰዓት 11፡ 00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
- ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ በቢ ምድቡ ኤለክትሪክ ኣቁሑት፡ ማይ መቀያየሪ ኣቁሑት፡ ምግቢ ኣቅርቦት ብር 3,000 ።መድሓኒነትን ናዉቲ ሕክምናን 15,000 ብ CPO ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ
- እቲ ጨረታ ናይ ጨረታ ዕለት 07 /03/ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 4 ፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 02 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉይክፈት ተወዳደርቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጋጎልን
- ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ንዝገዝኦም በዝሒ ንብረት ቀኒስካ ምምላእ ኣይፍቀድን ሙሉእ ንብረት ወይ መድሓኒትን ናዉቲ ኣቁሑት እንተዘይሃሊኩም ምምላእ ኣይፍቀድን ንዝመለአ ግን ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ዘዘጋጀዎ ሰነድ በዝሒ ንብረት መሰረት ዉዕሊ ይኣስር እንተዝኣሲሩ መክበሪ ጨረታ ይዉረስ
- ሆስፒታልና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ
- ናይቲ መድሓኒት ኣገልግሎት ዘመን ሽዱሽተ ወርሒን ልዕሊኡን ክከዉን ኣለዎ
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344480010 /1035 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል