ኣብ ቤት ፅሕፈትና ንዝርከባ ተሽከርከርቲ መካይን ንበጀት ዓመት 2008 ዓ ∙ም መቀያየሪ ኣቁሑት ፣ናይ መካይን ጎማ ፣ሃላቂ መሳረሒ ፅሕፈት ኣናእሽተይ መሳርሕን ተዛመድትን በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ከካይድ ስለ ዝደሊ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንዉድድር ይዕድም
ግልፂ ጨረታ ምድበ 002/ 01 ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቁሑት
ግልፂ ጨረታ ምድብ 002 /02 ናይ መካይን ጎማ
ግልፂ ጨረታ ምድብ 002 /03 ሃላቂ መሳርሒ ፅሕፈትን ኣናእሽተይ መሳርሕን ተዛመድትን
- በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፣ ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ፣መለለዩ ቁፅሪ ግብሪ ከፋሊ TIN ዘለዎ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ V.A.T ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ ም ድከሌር ዝገበረን መረዳእታ ዘቅርብን
- ርክክብ ንብረት ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ይከዉን
- ኣብቲ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኮነ ተወዳዳሪ ንዘለዋና መካይን ግልጋሎት ፅገና ዝዉዕል መቀያየሪ ኣቁሑት ብሕድሕድ ሞዴል ዝርዝር መገለፂ / ስፐስፊኬሽን / ፣ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ኣናእሽታይ መሳርሕን ተዛመድትን በቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ናይ ምቅራብን ዘቅረቦ ኣቁሑት ብሰብ ሞያ ናይ ምርግጋፅን ሓለፍነት ዝወስድ ኣፈቲሹ ኣረጋጊፁ ዘቅርብ ዘረክብ
- ጨረታ ኣብ ኣየር ዝዉዕለሉ እዋን ካብ ዕለት 01/ 02/ 2008 ዓ ም ክሳብ 22 /02/ 2008 ዓ ም ንተከታታሊ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ኣየር ይፀንሕ
- ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/ 02 /2008 ዓ ም ሰዓት 2 ፡30 ናይ ንጎሆ
- ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 22/ 02 /2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ
- ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 11 ጉጅለ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ዘየምለስ ብር 50 ቅርሺ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንዳከፈሉ ምግዛእ ይክእሉ
- ተወዳደርቲ መክበሪ ጨረታ ብር 3000 ብጥረ ገንዘብ ፣ብ ሲፒኦ ንሕድሕድ ጨረታ ከትሕዙ ዝክእሉ
- ሰነድ ጨረታ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 01 /02 /2008 ዓ ም ክሳብ 22 /02 /2008 ዓ ም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣታዊ ይገብር
- ተወዳደርቲ ዘቅርብዎ ዋጋን ካልኦት ሰነዳት ብቋንቋ ትግርኛ ይከዉን
- ተወዳደርቲ ቤት ፅፈትና ንዝሓቶም መረዳእታታት ዋና ቅዳሕን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ኣይተም 20 % ናይ ምዉሳክ ወይ መቅናስ መሰል ኣለዎ
- ኣብ ጨረታ አሸናፊ ዝኮነ ተወዳደሪ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናበ ሑመራ ከረክቡ ዝክእሉ
- ተወዳደርቲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ መሰረት ብሕድሕድ ዘርፊ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሳንዱቅ ኣታዊ ብምግባር ዋና መረዳእታ ንግዲ ፍቃድ ፣ቲን ፣ቫት ካልኦትን ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ሒዞም ክርከቡ ኣለዎም
- ቤት ፀሕፈትና እዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ
- ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344480001 /17 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል