የዓብይ ዓዲ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል  ዝተፋላለዩ ቴንዲኖ : ናይ መኪና ስፔር ፓርት መለዋወጢ ኣቑሑት: ፈርነቸር ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ መሰረት

ኣበቲ ጨረታ ክትሳተፉ ትደልዩ መቕረብቲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ኣብ 2007 ዓ/ም ዘሐደስኩምን::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማሕተምን ፊርማነ ክህልዎ አለዎ::

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ቫት/ ኮይኖም ናይ ወርሒ መጋቢት ኣታዊ ዝገብርሉ ዋንኡ ምስሐደ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

4 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ /TIN/ ዘለኩም::

6 ንጨረታ ንህንፃ መሳርሒ ቴንዲኖ ብር 5000.00 :ንናይ ስፔር መኪና መለዋወጢ ኣቅሓ ብር 5000.00 :ንፈርንቸር ብር 3000.00 ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል:;

7 ንሐደ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን ምምሕዳርን ቁፅሪ 9 ክፍሊ ሰነድ ብምግዛእ ክጫረት ዝኽእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካበ ዝተጠቀዐሉ ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኩም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቀሱ ኣድለይቲ ደኩመንታት ኮፒን ኦርጀናልን ነኒበይኑ አበ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማሕተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ  ሳንዱቕ ጨረታ ንክታእትዉን ንክትወዳደሩን እናተሐሳሰብና::

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 29/08/2007 ዓ/ም ክሳብ 13/9/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ይኸዉን:;

10 ሳንዱቕ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 13/9/07 ዓ/ም ሰዓት 330 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/9/2007 ዓም ሰዓት 400 ናይ ንጉሆ::

12 እቲ ጨረታ ኣበ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አበ ዘለዉሉ ይካየድ::

13 እቲ ዝሰዓርኩምዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ከተማ ዓ/ዓዲ ትልምን ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት ናይ መጋዕዝያ ሓዊሱ ንምቕራብ ዉዕል ካብ ዝአሰረሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ባዕሉ ኣምፂኡ ከረክብ ዝክእል::

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ::

 

ንተወሳኪ ሓበሬታ : ብስልኪ ቁፅሪ  0344460058/460173  ብምድዋል ይሕተቱ