ነጋ ገ/ሄር ዕዳጋ ዓርቢ ቴክኒክና ሙያ ትምህርትና ስልጠና ኮለጅ

ምልክታ ጨረታ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ነጋ ገ/ኣበሄር ዕ/ዓርቢ ንምምሃርን ምስትምሃርን ንሐፂር ስልጠናን ግልጋሎ ዝዉዕል ቀወምትን ሃለቅትን ዝተፈላለዩ:- 

ሎት  1  ናይ  ፅሕፈት መሳርሒታትን  ናይ  ኤሌክትሮኒክስ  ኣቀሑት

ሎት  2   ናይ  ህንፃ መሳርሒታት ናይ ጣዉላ ሓፂን : ናይ ኢለክትሪክን ኣዉቶን ኣቕሑት

ሎት  3  ንናይ GMFA ግልጋሎት  ዝዉዕሉ ሚግ ወልዲንግ ማሽነሪ ካልኦትን ንብረታት ብግልፂ  ጨረታ አወዳዲሩ  ክዕድግ  ስለ  ዝደሊ ክትጫረቱ  እትደሊዩ  ሕጋዉያን  መቅረበቲ  ንኽትወዳደሩ  ይዕድም::

ናይ  ጨረታ  መምርሒ

  1. ግብሪ  2006 ዓ/ም  ዝኸፈለ  ናይ  2007 ዓ/ም  ንድዲ  ፍቃድ  ዘሐደሰ::
  2.  ናይ  ግብሪ  ከፋላይ  መፍለዩ ቁፅሪ /TIN/ ዘለዎን መቅረባይነት ዝተሐደሰ ሰርትፍኬት  ዘለዎ::
  3. ቫት  ተመዝገቢ ዝኾነን  ናይ  ወርሒ ታሕሳስ ዲክለር  ዝገበርሉ ኸቕርብ  ዝኽእል::
  4. ጨረታ  መኽበሪ  ብጥረ ገንዝብ  ይኹን  አብ ዝተረጋገፀ ሰርትፋይድ  ቼክ ወይ CPO ብር
  • ሎት  1  ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ)
  • ሎት  2 ብር 3000.00  (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ)
  • ሎት  3  ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ)ከትሕዝ  ዝኽእል

    ጨረታ ሰነድ ንኹሎም  ዓይነት ሰነዳት ብር 40 ብምኽፋል ካብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን /ምም/ርን ቁፅሪ ቢሮ

 9 ካብ ዕለት  04/ 7/ 2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/07/2007 ዓ/ም ሰዓት 5:00 ምዉሳድ  ዝካአል ምካኑ:

  1. ተጫረቲ  ኣብ ሕድሕድ  ሰነዳት ሙሉእ ሽሞምን ፊርማን ናይ ትካሎም ማህተምን  ክገብሩ አለዎም::
  2. ሰዓራይ ጨረታ ንዝስዓር ንብረት ምስተገለፀሉ  ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ  ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክእስር  አለዎ ድሕሪ ዉዕሊ  ምእሳሩ አለዎ  ድሕሪ ዉዕሊ  ምእሳሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ  10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዐሉ  መጎዓዝያን  መራገፍን  ፅሬቱ ብቴክኒክ ኮምቴ  ምስተረጋገፀ ናብ ናይ ትካልና መኸዚን ጠቓሊሉ ምስ አረከብ ክፍሊት ዝፍፀመ  ምኻኑ::
  3. ንናይ ሚግ ወልዲንግ ማሽነሪ ዝቐርበሉ  እዋን ኣብ ዉሽጢ  15 ናይ ስራሕ መዓልቲ  ይኸዉን::
  4.   ሰዓርቲ ጨረታ  ናይ ዝሰዓርዎ  ንብረታት  ዋጋ 10 %  ዉዕሊ  መኽበሪ  ከትሕዙ  ዝኽእሉ  ምካኖም::
  5. ተሸነፍቲ ሰዓራይን  ተሰዓርይን ብዕሊ  ብደብዳቤ  ምስተገለፀ ምኽበሪ  ጨረታ  ዘትሐዝዎ ገንዘብ ይምለሰሎም::
  6. ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ቅሬታ አለኒ  ዝብል ተወደደሪ  ቅድሚ 5 ስራሕ መዓልቲ  ቅሬታ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ::
  7. ኣብ እዋን ጨረታ ነቲ ጨረታ ዘዛበዐን  ከዛብዕዝፈተነን  ብሕጊ ተሓታቲ  ይኸዉን
  8. ተጫረቲ   ዝወዳደርሉ  ዓይነት ንበረት  ኣብቲ  ዝተዳለወ  ቅጥዒ  ጥራሕ ክምልእዎን   ስርዝ  ድልዝ  ዘይፈቅድ ምካኑ  ብዘየሻሚ  ግልፂ  ብዝኾነ ክፀሑፍ  ከም  ዘለዎ  ብተወሳኪ  እዉን  ንኹሎም  ሰነዳት  ነናይ ባዕሎም ፖስታ  ብሸምዒ  ብዝተዓሸገ  ክቕርብ አለዎ
  9. ድሕሪ ጨረታ  ምክፋቱ  ዝኮነ ይኩን ተጨራታይ ካብቲ  ጨረታ  ዓርሱ  ከግልል  ዘይኽእል ምካኑ::
  10. እዚጨረታ እዚ  ዕለት 21/7/2007 ዓ/ም  ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ  ተዓፅዩ  በቲ ዕለት  ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00  ተጫረቲ  ወይም  ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት::
  11. ትካልና  ጨረታ  ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ  ንብረት መጠን  ክሳብ 20%  ክዉስክን  ክቅንስን ዝኽእል  ምካኑ::
  12. ትካልና ዝሐሸ  ኣማራፂ  እነተረኪቡ በሙሉእ  ወይ  ብክፋል  እቲ  ጨረታ  ናይ  ምስራዝ  መሰሉ  ዘተሐለወ  እዩ::
  13. ንተወሳኪ  ሓበሬታ  ብስልኪ  ቁፅሪ  0343460314  ደዊልካ  ምሕታት  ይከኣል::