- ምድብ 1 ፅሕፈት መሳርሒ አቁሑት አናእሽተይ ንብረታትን
- ምድብ 2 ሕትመታት
- ምድብ 3 ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት
1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
3Â ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ሓምለ 2010 ዓ/ም VAT ድክላሬሽ ንሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;
4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስኽር ወረቐት ሓደ ኣርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ንምድብ 1 ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ድማ ንምድብ 2ን ምድብ 3 ኮይኑ እቶም ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::
6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንኩሎም ምድብ ሎት 1- ሎት3 ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 04/03/2010 ዓ/ም ክሳብÂ 22/03/2010 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንነብስወከፍ ሰነድ ጨረታ ብር 3500.00 /ሰለስተ ሽሕ ሐሙሽተ ሚኢቲን ብር / ጥራሕ ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ Â /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::
9 እቲ ጨረታ ዕለት 22/03/2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓትÂ 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::
10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ::
12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::
13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካም ሕታት ይከኣል::